ኲናት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ዘይተዛዘመ ኲናት ኣብ ኣፍሪቃ

ወተሃደራት ኢትዯጵያ ኣብ ባረንቱ፡ ሚያዚያ 2000 Image copyright AFP

እዘን ክልተ ድኻታት ሃገራት ናብ ኲናት ካብ ዝኣትዋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣሕሊፈን ኣለዋ።

ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጰያን ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ ዶብ፡ ሕይወት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት በሊዑን ጉድኣት ኣካል ኣስዒቡን ሂወት ብዙሓት ኣመዛቢሉን።

ድሕሪ እቲ ወርሒ ታሕሳስ 2000 ዓ.ም.ፈረንጂ ዝተፈረመ ዉዕል ሰላም'ዉን እንተኾነ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ምትፍናን'ዮም ዝርከቡ።

ድሕሪ እቲ 20 ዓመት ዝወሰደ ዘይተዛዘመ ኲናት ኣፍሪቃ እንታይ ኣሎ? ኣብ መወዳእታ ዝዛዘመሉ ሃዋህዉ ዝፈጥር ባይታ'ዶ ይህሉ ይኸዉን?

"ክልተ መላጣት ብሓደ መመሸጥ ይበኣሱ"

6 ግንቦት 1998 ዝተወለዐ ኲናት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ እዚ'ዩ ዝበሃል ረብሓ ንዘይብላ ሰጣሕ መሬት ባድመ'ዩ።

ነዳዲ ወይ'ውን ክቡር ማዕድን (ኣልማዝ) ዘይብሉ ኣልቦ መሬት ክልቲኤን ሃገራት ብሂገንኦ። ኣብዚ ግዜ ኲናት ክልቲኤን ሃገራት "ክልተ መላጣት ብሓደ መመሸጥ ይበኣሱ" ተባሂሉ ተመሲሉሉ።

"እቲ ኲናት ስድራ ክልቲኡ ወገን ኣመዛቢሉ'ዩ" ይብል ነባሪ ከተማ ዓዲ ግራት ካሳሁን ወልደጊዮርጊስ።

Image copyright AFP

"ኣብ ዶባት ዝነብር ማሕበረሰብና ተዋሲቡ'ዩ። ኮይኑ ግና ኣብ መርዓን ቀብርን ክንራኸብ ኣይንኽእልን" ይብል ነባሪ ድሕሪ እቲ ኲናት ኣብ ክልተ ዝተኸፈለት ከተማ ዛላምበሳ ኣስገዶም ተወልደ።

"ጽራሕ ካብ እትብሃል ገጠር ከባቢ ኤርትራ ዝመጸት ኢትዮጵያ ዝተመርዐወት ጓሎም ዝነበረቶም ስድራ ነይሮም። ድሕሪ እቲ ኲናት ግና ተፈላሊዮም። ቀብሪ እንተጋጥም'ዉን ኣማዕዲዮም እናርኣዩዎ ዝኾነ ነገር ክገብሩ ኣይኽእሉን"።

ነቲ ኣብ ዶባት ዝነብር ማሕበረሰብ፡ ማሕበራዊ ርክብ ጥራሕ ዘይኮነስ ቁጠባዊ ርክብ'ዉን ወሳኒ'ዩ ነይሩ።

"ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ዝነበረ ንጡፍ ምንቅስቓስ ንግዲ ድሕሪ ኲናት ክልቲኤን ሃገራት የለን" ይብል ነባሪ ከባቢ ዶብ ኤርትራ ክፍሎም ገብረመድህን።

ምምሕዳር ዶብ

እዚ ሰነ 2000 ዘብቀዐ ኲናት፡ ስምምዕ ሰላም ክሳብ ዝፍረም ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከይሃድአ ጸኒሑ'ዩ።

ብምክንያት ባድመ ዝተላዕለ ውግእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኮሚሽን ሕጻጸ ዶብ ጠጠዉ ክብል ተስፋ ተነቢሩሉ ኔሩ'ዩ። እንተኾነ ግና እዚ "ናይ መወዳእታን ኣሳርን" ዝተባሃለ ሕጊ ድሕሪ 18 ኣዋርሕ ባድመ ንኤርትራ ክብል ወሲኑ።

ኢትዮጵያ ነዚ ከይተቐበለት ንዛተ ዝብሉ ለበዋታት'ኳ እንተቕረበት፡ ኤርትራ ግና ነዚ ዉሳነ ብምውካስ ንዝቐርቡላ ጻዉዒታት እያ ትነጽግ።

Image copyright AFP

ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ዘሎ ጎንጺ ይቕጽል'ዩ ዘሎ። ባድመ ድማ ኣብ ኢድ ኢትዯጵያ ኣላ።

እዚ ነዘን ክልተ ሃገራት ኮነ ዓለም ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ።

ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ

ዶባት ኤርትራ ብኢትዯጵያ ተወሪሮም ብምህላዎም ቐዋሚ ወተሃደራዊ ሓይሊ የድልየኒ'ዩ እትብል ኤርትራ፡ ሰራዊታ ንምጥንኻር ኣስገዳድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተካይድ።

እዚ ን18 ኣዋርሕ ክጸንሕ ዝተወሰነ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንዘይተፈ ግዜ ክጸንሕ ይኽእል'ዩ። እቶም በዚ መንገዲ ክሓልፉ ዘይደልዩ ድማ ካብ'ታ ሃገር ምዉጻእ ከም ኣማራጺ ገይሮም ይወስዱዎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ዝርከቡ መዓስከራት ይዉሕዙ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም ኣዉሮጳ ንምእታዉ ሰሃራ በረኻን ባሕሪ ሜድትራኒያንን የቛርጹ።

ብርክት ዝበሉ ኤርትራዉያን ብዘይሕጋዉያን ኣዘዋወርቲ ሰባት ዝተትሓዙ ከባቢታት እናሓለፉ፡ ኣብ ባሕሪ ሰጢሞም እናተረፉ'ዉን ኤዉሮጳ ንምእታዉ ዝገብሩዎ ጻዕሪ ጠጠዉ ኣየበለን።

  • 24 ግንቦት 1993:ኤርትራ ናጽነታ ኣዊጃ
  • 6 ግንቦት 1998: ኲናት ዶብ ጀሚሩ
  • 18 ሰነ 2000: እቲ ኲናት ጠጠዉ ንምባል ስምምዕ ተፈሪሙ
  • 12 ታሕሳስ 2000: ስምምዕ ኣልጀርስ ተፈሪሙ
  • 13 ሚያዚያ 2002: ናይ መወዳእታ ብይን ተዋሂቡ

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ምትፍናን፤ ሕገ መንግስቲ ተግባራዊ ከይከዉን፣ ናጻ ጋዜጣታት ንምእጋድን ተቓወምቲ ንምቅዋምን ከም ምኽንያት ትጥቀመሉ።

ኣብ 2001 መንግስቲ ኤርትራ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታትን ኤዲተራትን ግዳያት ማእሰርቲ ኮይኖም'ዮም።

ብተመሳሳሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቲ ኲናት ዝመርሐሉ መንገዲ ተሓታቲ ክኸዉን ዘይምፍቃዱ ዝነቐፉ ተቓወምቲ መራሕቲ ህግደፍ ተኣሲሮም'ዮም። ክሳብ ሕጂ'ውን ሃለዋቶም ኣይተፈልጡን።

እሱራት ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ፍርዲ ኣይቀረቡን፡ "ሃገራዊ ደሕነት" ኣብ ሓደጋ ኣጥሒልኩም ተባሂሎም ብሰበ ስልጣን እታ ሃገር እዮም ተኸሲሶም።

ኤርትራ ብምኽንያት ሓፈሻዊ ከበድቲ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ክኸሳ ጸኒሑ'ዩ።

ኢትዮጵያ'ዉን ብሰብኣዊ መሰላት ትኽሰስ'ኳ እንተኾነት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ባድመ ዘይኾነት ብርክት ብዝበሉ ዉሽጣዊ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋኣት'ዮም ዘተሓሳስቡዋ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ክካየዱ ብዝጸንሑ ዓመጻት ድማ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣዊጃ'ያ፥

ብዛዕባ ሰላም ምሕሳብ

ብምኽንያት ባድመ ዝሓየለ ምጥምማት እዘን ሃገራት መወዳእታ'ዶ ክህልዎ ይኸዉን?

ሓድሽ ቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ፤ ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ዘሎ ኩነታት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ጻዉዒት'ኳ እንተቕረበ ብወገን ኤርትራ ዝተዉሃበ ምላሽ ግና እቲ ጻዉዒት ቅድም ኢሎም ብዝነበሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝቐረበ ሓሳብ ዝተፈለየ ከምዘይኾነ ብምግላጽ ነጺጉዎ'ዩ።

"ሰላም ንህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ዝጠቅም'ኳ እንተኾነ ኢትዮጵያ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተግበረቶ ዓለምረለኻዊ ሕጊ ምስ እተኽብር'ዩ ዝፍጸም" ክብል ሚኒስትር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ምላሽ ሂቡ'ዩ።

Image copyright AFP

ይኹን'ምበር፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ዶናልድ ኣማሞቶ፡ ሓድሽ ተስፋ ፈጢሩ ኣሎ። እዚ በዓል ስልጣን ኣብ ኢትዮጵያ'ዉን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ኔርዎ'ዩ።

"ብወገን ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ህዝቢ ሰላም ይደሊ'ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መራሕቲ ብዛዕባ ሰላም ክዛረቡ ምስማዕ ደስ'ዩ ዝብል" ይብል ኤርትራዊ ክፍሎም ገብረመድህን።

"ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ጸቕጢ ብምግባር ሰላም ከምጽእን እቲ ዝነበረ ርክብ ክምለስን ናይ ምግባር ተኽእሎ ከም ዘለዎ እኣምን"።

ዶብ ሰጊሩ ኣብ ኢትዯጵያ ዘሎ ካሳሁን ወልደጊዮርጊስ'ዉን ነዚ ዝስዕብ ይትስፎ።

"እዚ ናብ ኣስመራ ዝወስድ መንገዲ ክሳብ መወዳእታ ተዓጽዩ ከምዘይተርፍ ንኣምን' ይብል።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት