ሓድሽ ዓቃቢ ሕጊ ኒዉዮርክ ኤሪክ ስቼኒደርማን ብጸብጻባት ግህሰት ካብ ስርሑ ተኣሊዩ

ኤሪክ ስቸደርማን Image copyright AFP

ዓቃቢ ሕጊ ኒዉዮርክ ኤሪክ ስቼኒደርማን ብኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ዝበጽሖ ኽሲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ካብ ሓላፍነት ስርሑ ባዕሉ ኣግሊሉ።

ዉሳነ እቲ ዓቃቢ ሕጊ መጽሄት ኒዉዮርክ ናይእተን ዝኸሰሰኦ ደቂ ኣንስትዮ ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ'ዩ ብፍቓዱ ካብ መዝነት ተኣልዩ።

እተን ክልተ ቅድም ኢሉ ብዕርክነት ምስኡ ዝጸንሓ ምንባረን ተዛሪበን።

ኽሲ ጾታዊ መጥቃዕቲ በጺሑዎ ዘሎ ኤሪክ ስቼኒደርማን፡ ደጋፊ "ኣነ'ዉን ኣንጻር ጾታዊ መጥቃዕቲ" ናይ ዝብል ምንቅስቓስ ከምዝነበረ ዝፍለጥ'ዩ።

ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብቶም ዝሓለፉ ሰዓታት ኣዝየ ዝቃወሞም ከበድቲ ክሲታት ኣንጻረይ ቐሪቦም'ዮም" ኢሉ።

"እዞም ቐሪቦም ዘለዉ ክሲታት ምስ ሙያዊ ምግባረይ ዘራኽብ ነገር'ኳ እንተዘይሃለዎም ስርሐይ ብኣግባቡ ኣብ ምስራሕ ግና ክዕንቅፉኒ'ዮም" ኢሉ።

ኣመሓዳሪ ኒዉዮርክ ኣንድሪዉ ኩሞ ምስ ምዉራድ ካብ ሓላፍነት ስራሕ ኤሪክ ስቼኒደርማን ብዝዛመድ ተጸዊዑ ከምዝቐረበ ተሓቢሩ ኣሎ።

"ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ኣይኾነን" እንትብል፡ "ኤሪክ ስቼኒደርማን ዓቃቢ ሕጊ ኮይኑ ክቕጽል ዝኽእል ኣይመስለንን" ኢሉ።

ኤሪክ ስቼኒደርማን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ተመሳሳሊ ኽሲ ንዝቐረበሉ ንኣዳላዊ ፊልሚ ሃርቨይ ዌኒስተን ሕጋዊ ስጉምቲ ክዉሰዶ ፈሪዱ'ዩ።