ዑደት ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት

ቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዯጵያ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ (ጸጋም) ፕረዚደንት ኬኒያ ኡሁሩ ኬኒያታ (የማን) Image copyright Uhuru Kenyatta (facebook)

ኬኒያን ኢትዮጵያን ኣብ ሞንጎአን ዘሎ ረብሓ ዜጋታተን ንምሕላዉ ኣብ ዘኽእልወን ስምምዓት መራሕተን በጺሖም ኣለዉ።

ቁጠባዊ ምትሕብባር ምጥንኻርን ኣብ ዙርያ ድሕንነት ድማ ኣበርቲዕካ ምስራሕን መራሕቲ እዘን ሃገራት ተሰማሚዖምሎም ዝተብሃሉ መዳያት'ዮም።

ብመሰረት እዚ እቲ ዝለዓለ ንክልትኣዊ ምትሕብባር ዝዉክል ኮሚሽን ኣጣይሶም።

ፕረዚደንት ኬኒያ ኡሁሩ ኬኒያታ ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ዘሎ ምንቅስቓስ ሰብን ንብረትን ብዶባዊት ከተማ ሞያሌ ኣቢሉ እናዓበየ ከምዝመጸን፡ ካብዚ ፍሉይ ርክብ ዜጋታተን ዝረብሑሉ ባይታ ክፍጠር ከምዘለዎን ኣብ ፌስ ቡክ ገጹ ዝጸሓፈ እንትኾን፡ ቐዳማይ ሚኒስርት ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ሕሉፍ ርክባት እዘን ሃገራት ዝያዳ ብምዕሟቕ ብቐጻሊ ዝርብሓሉ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ ኢሉ።

ስለዝኾነ ድማ ኢሉ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬኒያ፡ መራሕቲ ኬኒያን ኢትዮጵያን ሃገራቶም ዘለወን ማሕበረ ቑጠባዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ ኣብ ኩሎም መዳያት ብምዝርራብ ኣብ ስምምዕ በጺሖም'ዮም።

ሞያሌ ማእኸል ንግዲ

ተመሳሳሊ ባህልን ቋንቋን ዝዛረብ ህዝቢ ምዉናን ኢትዮጵያን ኬኒያን ካብ ዘመሳስለን ነገር እቲ ሓደ'ዩ። ኣብ ከባቢ ዶባት ዝነብር ህዝቢ ድማ ሞያሌ ከም ሓንቲ መዉጽእን መእተዉን መገዲ ይጥቀመላ።

ኣብቶም ዝሓለፉ እዋናት ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሞያሌ ብዘብጽሑዎ መጥቃዕቲ ብርክት ዝበሉ ሰባት ናብ ኬኒያ ተመዛቢሎም'ዮም። ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሞንጎ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ብሄረሰብ ኦሮሞን ሶማሌ ኢትዮጵያን ብርክት ዝበሉ ሰባት ዳግም ናብ ኬኒያ ሃዲሞም ኣለዉ።

መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬኒያን ድማ፡ ሕዚ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃዋህዉ ዘላ ከባቢ ብምርግጋእ ንቐጻሊ ማእኸል ንግዲ ካብ ምግባር ሓሊፉ ብጸዓትን መገድን ዝተኣሳሰራ ሃገራት ኣብ ምፍጣር ክንሰርሕ ኢና ምባሎም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ አብ ኬኒያ ዲና ሙፍቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

"ኣብ ቑጠባ፣ ማሕበራዊ ናብራ፣ ደሕንነትን ጸጥታን ብዝለዓለ ብርኪ ክሰርሑ መራሕተን ተሰማሚዖም'ዮም። ንሓበራዊ ረብሓ ህዝበን ክበሃል ድማ እተን ሃገራት ብመገድን ጸዓትን ንምትእስሳር ተሰማሚዖም'ዮም" ኢሎም ኣምባሳደር ዲና።

ካብዚ ሓሊፉ፡ "ኢትዮጵያን ኬኒያን ዘራኽበን መገዲ ሞያሌ ብምስፋሕ ዋሕዚ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ንምዕባይ እቲ ከባቢ ንምልማዕ ክስራሕ'ዩ። ሓበራዊ ስግኣት ደሕንነት ዝኾነ ግብረ ራዕዲ ምቅላስ ድማ መሰረታዊ ጉዳይ እዘን ሃገራት ክኸዉን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ"።

ኢትዮጵያን ኬኒያን ብጸዓት ንምትእስሳር ዝተትሓዘ ፕሮጀክት ናብ ባይታ ምሽራፍ ቀንዲ ዛዕባ ሓበራዊ ስራሕ እዞም መራሕቲ እንትኾን፡ ኬኒያ በብዓመቱ 400 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ኢትዮጵያ ኣታዊ ክትገብር እያ።

Image copyright Uhuru Kenyatta (facebook)

ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያን ንሃገራት ቐጠና ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓይሊ ከቕርብ ትጽቢት ዝግበሮ መፈልፈሊ ጸዓት ኣብ ሩባ ኣባይ ትሃንጽ ከምዘላ ዝፍለጥ'ዩ።

ካብ'ቲ ሩባ ዝዉሕዝ ማይ ክንክየኒ'ዩ እትብል ኣባል ተፋሰስ ሩበ ኣባይ ግብጺ ህንጸት እዚ ግድብ እንትትቃወም፡ ሱዳንን ኬኒያን ግና ካብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምርካብ ዘለወን ዉፍይነት ብተደጋጋሚ ክገልጻ ጸኒሐን እየን።

ዞባዊ ድነትን ምትሕብባርን

ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ (ዶክተር) ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ናብዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ካብ ዘካይዶም ምብጻሓትን ህዝባዊ ዘተታትን ብዝዘለለ፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ጅቡትን ሱዳንን፡ ሕዚ ድማ ኬኒያ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ዘካይደሎም ዘሎ ምብጻሓት ኣካይዱ ኣሎ።

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝነበሮ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ኢንቨስት ክትገብር ሕቶ ብምቕራብ ካብ ወገን ጅቡቲ እወንታዊ ምላሽ ረኺባ እያ። ሱዳን'ዉን ምስ ኢትዮጵያ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ዝምድና ክትፈጥርን ካልኦት ምትሕብባራተን ከጠናኽራን እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ተሰማሚዑሎም ተባሂሉ'ዩ።

በዓል ሙያ ስነ ቑጠባ ዶክተር ኣሰፋ ኣድማሴ እዚ ኣብዘን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዑደት ኣፍሪቃዊ ምትሕብባር ቑጠባን ፖለቲካን ዘዕቢ'ዩ ይብሉ።

ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ ንሰለስቲኤን ሃገራት (ጅቡቲ፣ ኬኒያን ሱዳንን) እተማእኽል ብምዃና ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ነገር ኩሉ ብኣወንታን ኣሉታን ዝጸልወን እንትኾን፡ ናይ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ንሰለስቲኤን ሃገራት ወሳኒ'ዩ ይብሉ።

"ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ነንሕድሕደን ዘሎ ንግዳዊ ምንቅስቃስ ዉሑድ ምዃኑ ይፍለጥ። ኢትዮጵያ ድማ ንንግዲ ዝኾና ናይ ወደብ ኣማረጺታት እናደለየት እያ። ቅድም ክብል ልምዓት ኮሪደር ላሙ ኣብ ሞንጎ ደቡብ ሱዳን፣ ኬኒያን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝዝከር'ዩ። እዚ ተግባራዊ እንተድኣ ኾይኑ፡ ዝለዓለ ቑጠባዊ ረብሓ ዘለዎ ይመስለኒ" ይብሉ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ'ዉን ነፍሲ ወከፍ ሃገራት እቲ ቐጠና ህዝበን ዝተኣሳሰረ ርክብ ዘለዎ'ዩ ዝብል መምህር ፖለቲካል ሳይንስ ኮሌጅ ጆርጂያ ጉኔት ዶክተር ዩዉሃንስ ገዳሙ ብወገኑ፡ ሕዚ'ዉን ስግኣታት ደሕንነት ዘጋጠምሉ ኩነታት ስለዘሎ፡ መንግስታት እዘን ሃገራት ብዙሕ ግዜ ብሓደ ክሰርሑ ምርኣይ ኩለመዳያዊ ርክብ ንምጥንኻር ዓብዪ እጃም ስለዘለዎ'ዩ ይብል።

"ጉዳይ ሶማሊያ ተስፋ ዝህብ ነገር እንተነበረ'ዉን ሕዚ ሓደሽቲ ዘስግኡ ዝበሃሉ ነገራት የጋጥሙ'ዮም ዘለዉ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ጎንጺ ተመዛቢሎም ናብ ኬኒያ ዝኣተዉ ነይሮም'ዮም። ነዚኦም ደሚርካ ዶብ ተሳገርቲ ጸገማት'ዉን ስለዘለዉ ኣብዚኦም ዘቲኻ ረብሓ ዜጋታትካ ንምሕላዉ ክኸዉን ይኽእል እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዘን ሃገራት ዘካይዶ ዑደት ስራሕ ቐጺሉ ዘሎ" ክብል ይገልጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት