ዩኒቨርሲቲ ዛምቢያ ንደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮኡ ይቕረታ ሓቲቱ

ዲዘያ ሙኪና Image copyright AFP

ሓደ ካብ'ቶም ዝለዓሉ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዛምቢያ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ፍርቂ ኣካለን ዘርኢ ቕሉዕ ኣከዳድና ተኸዲነን፡ ኣቓልቦ ደቂ ተባዕትዮ የዘናብላ ብምህላወን ንቤተ-መጻሕፍቲ ከይኣትዋ ከልኪሉ ነይሩ።

እዚ ኣብ ሉሳካ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ፡ ናይ ኣከዳድና ደንቢ ስለዘየለን፡ ዝኣረጉ ዝንቡዓት ኣረኣእያታት ከምዘይዕገስን ገሊጹ።

ኣብ ቤተ ንባብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተጠቅዐ ሊስታ ድማ "ቅጥዒ ዘለዎ ኣከዳድና ናይ ኩል ግዘ መገድና" ይብል።

ኣብታ ባህሊ እተጥብቕ ሃገር እዚ ጉዳይ ተቓዉሞታት'ዉን እናተኣናገደ'ዩ።

ሰራሕተኛ እቲ ቤተ ንባብ ክርስቲን ካንየንጎ ግና "ብዘይዝኾነ ገደብ ንደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ ቤተ ንባብ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጠረ ነገር ይቕረታ ንሓትት" ኢላ።

ኩለን ደቂ ኣንስዮ "ምቹእነት" ክስመዐን ኣለዎ ድማ ክትብል ገሊጻ። "ምክእኣልን ብዙሕነትን ድማ ዓንዲ ሑቐ ትካልና'ዩ" ትብል ክርስቲን።

Image copyright Dikina Muzeya

"እግሪ ዘይኮንስ መጽሓፍኩም ርኣዩ" ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ

እቲ ዩኒቨርሲቲ ትማሊ ደቂ ኣንስትዮ ቅሉዕ ኣከዳድና ከይኽደና መጠንቀቕታ ድሕሪ ምዉጽኡ ገለ ተማሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ መምርሒ ተቓዊመንኦ እየን።

"ንቤተ-መጻሕፍቲ ናይ ምኻድ ዓላማኻ ንምጽናዕ እንተኮይኑ ካብ የእጋር ደቂ ኣንስትዮ ምርኣይ መጽናዕትኻ ግበር" ክትብል ተመሃሪት ሳልሳይ ዓመት እቲ ዩኒቨርሲቲ ድኪና ሙዝያ ተዛሪባ።

ሎሚ ድማ እቲ ቤተ ንባብ ይቕረታ ምሕታቱ ከምዝተቐበለቶ ድማ ንቢቢሲ ተዛሪባ ኣላ።

"እቲ ቤተ ንባብ ኣብ ዝወጽኡ ገለ ገደብ ዘቐምጡ፡ ብፍላይ ድማ ጾታ መሰረት ገይሮም ኣብ ኣከዳድና ዝምልከት ዝወጽኡ መጠንቀቕታታት ክጥንቀቕ ኣለዎ" ትብል።

ተምሃራይ ኪሎን ፊሪ ግና እቲ ተዋሂቡ ዝነበረ ዉሳነ ተቐቢሉዎ ምንባሩ'ዩ ዝገልጽ።

"ጓል ኣንስተይቲ ቅሉዕን ሓጺርን ክዳን ተኸዲና እንትትመጽእ ከመይ ኣቢልኻ ኣብ መጽናዕትኻ ተድህብ?" ክብል ይሓትት።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት