ኪምን ትራምፕን ቅድሚ ምርኻቦም፡ ፖምፒዮ ሰሜን ኮርያ ኣትዩ

ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ሰሜን ኮርያ Image copyright Reuters

ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ነቲ ኣብ መንጎ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡንን ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ኪግበር ተመዲቡ ዘሎ ታሪኻዊ ዝርርብ ምድላዋት ንምጽፋፍ ኣብ ከተማ ፕዮንግያንግ ይርከብ።

ፖምፒዮ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ካብ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ነጻ ንምግባር ዝዓለመ ዝርርብ ንምውዳብ ዘካይዶ ንጥፈታት ብኣወንታ ክዛዝም ትስፍውነቱ ገሊጹ።

ሃንደበታዊ ምብጻሕ ፖምፔዮ እምብኣር ድሕሪ`ቲ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝርከቡ ሰለስተ ኣሜሪካውያን እሱራት ክፍትሑ'ዮም ዝብሉ ግምታት ክናፈስ ምስጀመረ'ዩ ።

ፖምፔዮ ንኻልኣይ ግዚኡ ንፕዮንግያንግ ምብጻሕ ዝፍጽም እንተሃለወ፡ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ምስ ኪም ተራኺቡ ነይሩ'ዩ።

ድሕሪ'ቲ ናይ 2000 ዓመተ ፈረንጂ፡ ሰበ ስልጣናት ኣሜሪካ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ናይ ሚያዝያ ርክብና "ጽቡቕ ዝምድና" መስሪትና ኢሉ ፖምፔዮ።

ቅድሚ`ዚ ናይ ፕዮንግያንግ ዑደቱ፡ ሰሜን ኮርያ ነቶም ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ሰለስተ ኣሜሪካውያን እሱራት ብምፍታሕ "ጽቡቕ ነገር ክትገብር" ይትስፈው ኢሉ ፖምፔዮ።

"እዞም ሰለስተ ኣሜሪካውያን ንኽፍትሑ ንዝሓለፉ 17 ኣዋርሕ ክንሓትት ጸኒሕና ኢና" ኢሉ ፖምፔዮ።

Image copyright AFP

ሓደ በዓል ስልጣን ሰሜን ኮርያ ምስ ዮንሃፕ ናይ ዜና ማዕከን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ቅድሚ ናይ ፕሬዚደንት ኪምን ትራምፕን ርክብ ምክያዱ ፕዮንግያንግ "ከም መርኣያ ጽቡቕ ድልየት" ነቶም ሰለስተ ኣሜሪካውያን ዜጋታት ክትፈትሖም ትጽቢታት ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓደ ምስ ፖምፔዮ ናብ ፕዮንግያንግ ዝተጓዓዘ በዓል ስልጣን ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ከምዝበሎ፡ 'ኣሜሪካ ኩሉ`ቲ ሰሜን ኮርያ ትገብሮ ዘላ ኣገዳሲ ምዕባለታት"፡ ብፍላይ ምስ ናይ ኒዩክለር ኣጽዋር መደባታ ትከታተሎ ከምዘላ ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ትርምፕ`ውን ብዛዕባ ኣሜሪካ ካብ'ቲ ኣብ ግዜ ኦባማ ምስ ኢራን ዝተኸተመ ውዕል ከምዝሰሓበት ኣብዝገለጸሉ እዋን፡ ፖምፔዮ ናብ ሰሜን ኮርያ ከምዝገሸ ገሊጹ።

``ምስ ሰሜን ኮርያ ዝምድና ንሃንጽ ዘሎና ይመስለኒ`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ`ቲ ኣብ መጻኢ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆንግ-ኡን ዝካየድ ርክብ ክዛረብ ከሎ፡ "ኣኼባና ዝካየደሉ ቦታ ግዜን መዓልትን ተጻፊፉ" እዩ ኢሉ።

ብምቕጻል፡``እቲ ኩነታት ብኸመይ ከምዝምዕብል ክንከታተሎ ኢና፡ ከይሰርሕ`ውን ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ ንሰሜን ኮርያን ደቡብ ኮርያን ንዓለም ድማ ብሓፈሻ ጹቡቕ ክኸውን ይኽእል`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ሚያዝያ ምስ ሰሜን ኮርያ ቀጥታዊ ዝርርብ ክገብር ቅሩብነቱ ምግላጹ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣገሪሙ። ኣብ ስልጣን ዘሎ መራሒ ኣሜሪካ ምስ ሰሜን ኮርያ ናይ ምርኻብ ድልየቱ ብዙሓት ዘይተጸበይዎ ኢዩ ነይሩ።

እቲ ርክብ ኣብ ወርሒ ሰነ ወይ'ውን ቅድሚኡ ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ። እንተኾነ ኣቲ ኣኼባ ኣበይ ከምዝካየድ ክሳዕ ሕጂ እኳ እንተዘየተፈለጠ፡ ኣብ ኣሜሪካ ግና ኣይክካየድን ኢዩ።

እቲ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ካብ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ናጻ ንምግባር ``ብመደብ ዝተዋደደ`` ስጉምቲ ዕውት ክኸውን ከምዝተተስፈወ ማዕከናት ዜና ቻይና ንኪም ብምጥቃስ ገሊጸን።