ምስጋና ፍቱሓት ማእሰርቲ ሰሜን ኮርያ ንፈጣርን ትራምፕን

ካብ የማን ንጸጋም: ኪም ሃክ ሶንግ፣ ኪም ዶንግ ቹል፣ ቶኒ ኪም Image copyright Reuters / AFP

ትማሊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሰሜን ኮርያ ዝተፈትሑ ሰለስተ ኣሜሪካዉያን ናጽነቶም ክረኽቡ ንዝገበሩዎም ፕረዚደንት ሃገሮም ዶናልድ ትራምፕን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማይክ ፖምፒዮን ኣመስጊኖም።

ሎም መዓልቲ ድማ ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ሓይሊ ኣየር ኣንድሪዉስ ብፕረዝደንት ትራምፕ ኣቀባብላ ክግበረሎም'ዩ።

እዚ ንትልሚ ምርኻብ መራሕቲ ሃገራት ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ጽቡቕ መገዲ ዝኸፍት'ዩ ክብል ድማ መግለጺ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ዝራኸበሉ ግዜ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ዕላዊ ከምዝኸዉን ተዛሪቡ ኣሎ።

ሰለስቲኦም እሱራት ሰሜን ኮርያ ዝነበሩ ኣሜሪካዉያን ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ "ናብ ገዛና ክንምለስ ንዝገበሩና ፕረዚደንት ትራምፕ፣ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ማይክ ፖምፒዮን ህዝቢ ኣሜሪካን ነመስግን" ኢሎም።

"ናብ'ዚ ክንምለስ ንዝገበረና ፈጣርን፣ ብጸሎቶም ንዝሓገዙና ስድራናን መሓዙትናን'ዉን ነመስግን" ኢሎም።

እዞም ብምንቅስቓስ ኣንጻር መንግስቲ ተኸሲሶም ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝስርሐሉ መዕቖቢ ተኣሲሮም ዝጸንሑ'ዮም።

ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ዝርዝር ኣኼባ ትራምፕን ኪም ጆንግ ኣንን ንምዝታይ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዘምረሐሉ እዋን'ዮም ድማ ተፈቲሖም።

"ኪም ንክፍትሑ ስለዝፈቐደልናን ይንእድ" ክብል ትራምፕ ርእይትኡ ሂቡ።

ኪም ጆንግ ኣን ብወገኑ እቶም ሰለስተ እሱራት ብይቕረታ ክፍትሑ ብወገን ኣሜሪካ ዝቐረበሉ ሕቶ ከምዝተቐበለን፡ ምስ ትራምፕ ዝህልዎ ኣኼባ ኣብ ቐጠና ኮርያ ዘሎ ኩነታት ኣብ ምምሕያሽ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ዝኽየደሉ ከምዝኸዉንን ተዛሪቡ።

ሓደ ካብቶም እሱራት ኣብ 2015 ዝተኣሰረ እንትኾን፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ንሓደ ዓመት'ዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሖም። ብሰሜን ኮርያ ዝቐረበሎም ክሲ ድማ ፖለቲካዉን ሰብኣዊ መሰላት ዝግህስን'ዩ ተባሂሉ ክኹነን ጸኒሑ።