መጠን ዕዳ ኢትዮጵያ ይዉስኽ ኣሎ

መተዓዳደጊ ገንዘብ ኢትዮጵያ

ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ኣይ ኤም ኤፍ ብዘዉጸኦ ጸብጻብ ምጣነ ሃብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ መጠን ዕዳ ገንዘብ ኢትዮጵያ ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምህርታ 56.2 ሚኢታዊት ከምዝሕዝ ገሊጹ።

ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ዓመት 10.9 ሚኢታዊት ዕብየት ዘመዝገበት ሃገር እዚ ዝኣክል ዕዳ ምሽካማ ኣብ ዘስግእ ብርኪ ከምዘላ'ዩ ዘመላኽት ኢሉ እቲ ጸብጸብ።

ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ብቕልጡፍ ኣብ ምዕባይ ዝርከብ ምጣነ ሃብተን ቐጻልነት ክህልዎ ብዝብል ኣብ ከቢድ ዕዳ ይኣትዋ ከምዘለዋ በብዓመቱ ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።

40 ሚኢታዊት ዝኾና ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ከቢድ ዝበሃል መጠን ዕዳ ኣመዝጊበን'የን፤ ወይ ከኣ ናብኡ ይጽግዓ'የን ዘለዋ ዝብል ጸብጻብ እቲ ትካል ገንዘብ ዓለም እዘን ሃገራት ኣብ ቐረባ ግዜ ክወጽኦ ናብ ዘይኽእላ ጸገም ክኣትዋ ይኽእላ'የን ዝብል ግምት የቐምጥ።

ኢትዮጵያን ዛምቢያን ምስ ዘለወን ሃገራዊ ምህርቲ ዘይመጣጠን ዕዳ የመዝግባ ከምዘለዋ ድማ መጽናዕቲ ትካል ገንዘብ ዓለም የመልክት።

Image copyright ZACHARIAS ABUBEKER

ኣብ 2016 ዝነበረ መጠን ዕዳ ኢትዮጵያ ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምህርቲ 55 ሚኢታዊ ዝነበረ እንትኾን ኣብ 2017 ድማ ዘይነዓቕ ለዉጢ ብምምጻእ ናብ 56 ሚኢታዊት ዓብዩ።

ኢትዯጵያ ሓዊሱ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ሕዚ'ዉን ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ንምቅልጣፍን ማሕበራዊ ዉሕስና ንምርግጋጽን ናብ ልቓሕ ምእታወን ዘይተርፍ'ዩ ዝብል እዚ ጸብጻብ ቐጻልነት ዘለዎ ዕብየት ከመዝግባ ዘለወን መጠን ልቓሕ ክንክያ ከም ዝግደዳ ይሕብር።

ብካልእ ወገን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንመሰረታዊ ጠለባት ዝዉዕሉ ኣቑሑት በብመዓልቱ ዋግኦም እናወሰኸ መጺኡ'ዩ።