እዞም ተጠማመትቲ መራሕቲ ኣብ ሲንጋፖር ክራኸቡ'ዮም

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኣንን፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን Image copyright EPA

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኣን 12 ሰነ ኣብ ሲንጋፖር ክራኸብ'ዩ።

"ክልቲኤና ንሰላም ዓለም ክንብል እዛ መዓልቲ ፍልይቲ ክንገብራ ኢና" ክብል ድማ ትራምፕ ኣብ ትዊተር ገጹ ጽሒፉ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ትራምፕ ምስ ኪም ክራኸብ ከምዝደሊ ብምግላጽ ዓለም ኣገሪሙ'ዩ።

ክልቲኦም፡ ብርክት ዝበሉ ካብ መሪሕነት ዘጎርበጡ ጸርፍታትን ምፍርራሕን ክለዋወጡ'ኳ እንተጸንሑ ሕዚ ግና ኣብ ሞንጎ ሰሜንን ደቡብን ኮርያታት ዝነበረ ሓጹር ዘተ ምፍራሱ ስዒቡ ክልቲኦም መራሕቲ'ዉን ናብ ሰላማዊ ዝርርባት መጺኦም ኣለዉ።

ትማሊ ኣብ ሰሜን ኮርያ ተኣሲሮም ዝነበሩ ዜጋታት ኣሜሪካ ከምዝፈተትሑ ዝዝከር'ዩ።

እዞም እሱራት ክፍትሑ ዝተደራደረ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ "ሓደ ትርጉም ዘለዎ ነገር ክንፍጽም ዕድል ዘለና መሲሉ ይስመዐኒ" ኢሉ።

ሲንጋፖር ንምንታይ?

ሲንጋፖር ብጣዕሚ ንኡሽቶ፡ ግን ድማ ምዕብልቲ ሃገር'ያ። ቅድም ኢሉ ድማ ዓበይቲ ዲፕሎማሲያዊ ኣኼባታት ኣተኣናጊዳ'ያ።

ኣብ 2015 ድሕሪ ልዕሊ 60 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝተራኸቡ መራሕቲ ሃገራት ቻይናን ታይዋንን ታሪኻዊ ዘተ ዘካየዱ ኣብዛ ከተማ'ዩ።

ሲንጋፖር ምስ ኣሜሪካ ጽቡቕ ዝምድና ዘለዋ ሃገር ኮይና፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝነበራ ንግዳዊ ምሕዝነት ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ብዝተነበረ ማዕቀብ ርክበን ተቋሪጹ'ዩ።

ኮይኑ ግና ኪምን ትራምፕን ተራኺቦም ክዝትዩላ ተሓርያ ኣላ።