ግምት ላዉሮ ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ኢንግሊዝ

ናይ ኢንግሊዝ ፕሪሚየር ሊግ ወራዲት ጋንታ ኣብ ግጥማት ናይ መወዳእታ ሰሙን እቲ ሊግ ክትፍለጥ'ያ። ስዋንሲ ክትተርፍ ናይ ሳዉዝኣምፕተን ዉጽኢት ክትጽበ ኣለዋ።

ተንታኒ ስፖርት ቢቢሲ ማርክ ላዉረንሰን ሓንቲ ጋንታ ከምእትወርድ ግምቱ ሂቡ። "ስዋንሲ ንስቶክ ከምእትረትዕ'ኳ ትጽቢት እንተገበርኹ ኣብቲ ሊግ ግና ኣይትጸንሕን' ኢሉ ላዉሮ።

ግምት ላዉሮ

ሰንበት

Image copyright BBC Sport

በርንሌይ ምስ በርንማውዝ

ክልቲኤን ጋንታታት ጽቡቕ ናይ ዉድድ ዓመት'ኳ እንተሕለፋ በርንሌይ ዝሓሸ ግዜ ኣሕሊፋ'ያ።

ክልቲኤን ኣብ ዝህልወን ጸወታ በርንለይ ሰለስተ ነጥቢ ከምእትረክብ ድማ እግምት።

ግምት ላዉሮ: 2-1

Image copyright BBC Sport

ክሪስታል ፓላስ ምስ ዌስት ብሮም

ዉድድር እዚ ዓመት እንትጅመር፡ ዉጽኢተን ዝተፈላለየ'ዩ ነይሩ። ዌስት ብሮም ኣብ 10ይ ደረጃ፡ ፓላስ ድማ ኣብ መወዳእታ ነይረን። ሕዚ ግና ኹሉ ነገር ተቐይሩ'ዩ።

ኣብዚ ጸወታ ግና ዌስት ብሮም ክትረትዕ'ያ።

ግምት ላዉሮ: 1-2

Image copyright BBC Sport

ሃደርስፊልድ ምስ አርሴናል

ሃደርስፊልድ ምስ ቼልሲ ኾነ ማንቸስተር ሲቲ ነጥቢ ክትረክብ'ያ ኢለ ኣይተጸበኹን ነይረ።

ኣርሰናል 5 ንባዶ ድሕሪ ምስዓራ 3ን ሓደ እንትትርታዕ'ዉን ኣይተገረምኩን። እዚ ጸወታ ድማ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ክከዉን'ዩ ኢለ ኣይሓስብን።

ግምት ላዉሮ:1-1

Image copyright BBC Sport

ሊቨርፑል ምስ ብራይተን

ሊቨርፑል ዘለዋ ናይ ነጥቢ ኣፈላላይ ተጠቒማ ሓደ ነጥቢ ብምርካብ ንቼልሲ በሊጻ እቲ ጸወታ ክትዛዝሞ'ያ።

ብራይተን ኣብ ልዕሊ ማንችስተር ዩናይትድ ሸቶ ብምቑጻር ኣብቲ ሊግ እትጸንሐሉ ዕድል ኣረጋጊጻ'ያ።

ግምት ላዉሮ: 2-0

Image copyright BBC Sport

ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ዋትፎርድ

ማንቸስተር ዩናይትድ ዘይተለመደ ናይ ዉድድር ዓመት'ኳ እንተሕለፈት ኣብቲ ሊግ ካልአይቲ ኮይና ብምዝዛም ዋንጫ ኤፍ ኤካፕ ክተልዕል ትኽእል'ያ።

ግምት ላዉሮ: 2-0

Image copyright BBC Sport

ኒውካስትል ምስ ቼልሲ

ቼልሲ ኣብዚ ዓመት ሕማቕ ናይ ዉድድር ዘመን ካብ ምትእንጋዳ ብዝዘለለ ኣንቶኒዮ ኮንቴ ምስታ ጋንታ ዝቕጽሉ ኣይመስሉን።

ኒውካስትል ኣብዚ ጸወታ ሰለስተ ነጥቢ ኣይትረክብን።

ግምት ላዉሮ:0-2

Image copyright BBC Sport

ሳውዝሃምፕተን ምስ ማንቸስተር ሲቲ

እቲ ጸወታ ማንቸስተር ሲቲ ከምእትዛዝሞ'ኳ እንተገመትኩ፡ ሳውዝሃምፐተንን ናብ ታሕተዋይ ሊግ ክትወርድ ዝገብር ሸቶ ግና ኣይተቁጽርን።

ግምት ላዉሮ: 0-2

Image copyright BBC Sport

ስዋንሲ ምስ ስቶክ

ኣብዚ ጸወታ ስዋንሲ እንተረትዐት'ዉን ኣብቲ ሊግ ዘጽንሓ ዉጽኢት ግና ኣይኾነን።

ኣሰልጣኒ ስዋንሲው ካርሎስ ካርቫሃል ኣብ መወዳእታ እዚ ዘመነ ዉድድር ካብታ ጋንታ ክለቅቕ'ዩ።

ግምት ላዉሮ: 2-0

Image copyright BBC Sport

ቶተንሃም ምስ ሌስተር

ኣሰልጣኒ ሌስተር ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ኣብታ ጋንታ ናይ ምጽናሕ ዕድሉ ኣየረጋገጸን።

ኣብቲ ጸወታ ቶቶንሃም ከምእትረትዕን ሃሪ ኬን ሸቶ ከምዘቑጽርን እግምት።

ግምት ላዉሮ: 2-0

Image copyright BBC Sport

ዌስት ሃም ምስ ኤቨርተን

ዴቪድ ሞዬስን ሳም አላርዳየስ ኣብቶም ዝቅጽሉ ዓመታት ዉድድር ኣብ ጋንተኦም ናይ ምጽናሕ ዕድሎም ካብ ሞንጎ ዘይተረጋገጸሎም ኣሰልጠንቲ'ዮም።

ክልቲኦም ዝመርሑወን ጋንታታት ከይወርዳ ዝተዉሃቦም ሓላፍነት ፈጺሞም'ዮም።

ግምት ላዉሮ:2-0