ብዝሒ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ቁጠባኣ እንታይ ፅልዋ ኣለዎ?

ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ኣይ ኤም ኤፍ ኣብ ዘዉጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ፤ መጠን ዕዳ ኢትዮጵያ ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምህርታ 56.2 ሚኢታዊት ከምዝሕዝ የመልክት።

ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ዓመት 10.9 ሚኢታዊት ዕብየት ዘመዝገበት ኢትዮጵያ፤ ክንድዚ ዝኣክል መጠን ዕዳ ምሽካማ ኣብ ዘስግእ ብርኪ ከምዘላ'ዩ ዘመላኽት ድማ ይብል እቲ ጸብጸብ።

ንምዃኑ ብዝሒ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር እንታይ ፅልዋ እዩ ዘለዎ?

ኣብ ዩንቨርሲቲ ዓድግራት ሓላፊ ትምህርቲ ስነ ቁጠባ መምህር ፅጋብ ሓጎስ ክረኣይ ዘለዎ መጠን እቲ ዕዳ ዘይኮነስ፤ ነቲ ልቓሕ ኣብ ምንታይ ኢኻ እተውዕሎ ዝብል እዩ "እቲ ወሳኒ ነገር" ይብል።

መምህር ፅጋብ ንፀብፃብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ "መንግስቲ ነቲ ልቓሕ ኣብ ምስፋሕ መሰረተ ልምዓት እዩ ዘውዕሎ። ንኣብነት ኣብ ህንፀት ፓርክታት ኢንዱስትሪ። ስለዚ ንምንቕቓሕ እቲ ኢኮኖሚ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ተብሂሉ እዩ ዝእመን" ይብል። ግን ከኣ ምስቲ ምጣነሃብታዊ ዕብየት ወይ 'ጂዲፒ' ተጠዓዒሙ ክኸይድ ከምዝግበኦ ይምዕድ።

ምብዛሕ ዕዳ ኣብ ሓፈሻዊ ቁጠባ ከብፅሖ ዝኽእል ፅልዋ እንተብርህ ድማ "ነቲ ዕዳን ወለድን ንምኽፋል ቁጠባ ናይታ ሃገር ንዝህልዎ ዓቕሚ ክፈታተኖ ይኽእል" ይብል።

በዓል ሞያ ሕርሻን ምጣነ ሃብትን ዶክተር ደምስ ጫንያለው እውን ልቓሕ ከምፀገም ክረኣይ የብሉን በሃሊ እዮም። ዶክተር ደምስ እቲ ዕዳ "ንምንታይ ተግባር እዩ ዝውዕል ዝብል እዩ እቲ ቀንዲ ሕቶ" ብምባል ንርኢቶ መምህር ፅጋብ ዘራጉድ መልሲ ይህቡ።

"ኢትዮጵያ ከም ገለ ገለ ሃገራት መሃያ ንምኽፋል ኣይኮነትን ልቓሕ እትወስድ" ብምባል ልቓሕ ምውሳድ ንቡርን ዕብየት ዘሳልጥን ከምዝኾነ የብርሁ።

ብመሰረት ፀብፃብ ትካል ገንዘብ ዓለም፤ ኣብ 2016 ዝነበረ መጠን ዕዳ ኢትዮጵያ ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምህርቲ 55 ሚኢታዊ ዝነበረ እንትኾን ኣብ 2017 ድማ ናብ 56 ሚኢታዊት እዩ ዓብዩ። ነቶም በዓል ሞያ ምጣነ ሃብቲ ግን እዚ ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኣይኮነን።

ከም መብርሂ ዶክተር ደምስ፤ መጠን ዕዳ ክነፃፀር ዘለዎ ምስ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ እዩ።

Image copyright ZECHARIAS ABUBEKER

እቶም በዓል ሞያ ብስሩ እውን ባንኪ ዓለምን ኣይኤምኤፍን እታ ሀገር ንእተሳልጦ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ልቓሕ ከምዘይህቡ፤ ኢትዮጵያ ንህንፀት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልቓሕ እትረክብ ካብ ሃገራት ቻይናን ህንድን እዩ ይብሉ።

እቲ ፀብፃብ ከምዘመልክቶ እንተኾይኑ ግን፤ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ 40 ሚኢታዊት ዝኾና ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ከቢድ ዝበሃል መጠን ዕዳ ኣመዝጊበን'የን፤ ወይ ከኣ ናብኡ ይጽግዓ'የን ዘለዋ ይብልሞ እዘን ሃገራት ኣብ ቐረባ ግዜ ክወጽኦ ናብ ዘይኽእላ ጸገም ክኣትዋ ይኽእላ'የን ዝብል ግምት የቐምጥ።

ዶክተር ደምስ ብወገኖም፤ ነቲ ልቓሕ ተጠቒምካ ኣብ እዋኑ ምኽፋል እንተደኣኽኢልካ፤ እቲ ሪፖርት ከምዝብሎ 'ዝርብሽ' ኣይኮነን በሃሊ እዮም።

ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ብቕልጡፍ ኣብ ምዕባይ ዝርከብ ምጣነ ሃብተን ቐጻልነት ክህልዎ ብዝብል ኣብ ከቢድ ዕዳ ይኣትዋ ከምዘለዋ በብዓመቱ ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኢትዮጵያን ዛምቢያን ምስ ዘለወን ሃገራዊ ምህርቲ ዘይመጣጠን ዕዳ የመዝግባ ከምዘለዋ ድማ እዚ መጽናዕቲ ትካል ገንዘብ ዓለም የመልክት።