ኣሜሪካ ምስ ኣንጻር ወተሃደራዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝተኣሳሰር ማዕቀብ ኣዊጃ

ፋይናንስ ሚኒስተር ኣሜሪካ ስቲቭን ሙንቺን Image copyright AFP

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስ ናይ ኢራን ወተሃደራዊ ሓለዋ ሰውራ ምትእስሳር ዘለዎም ሽዱሽተ ሰባትን ሰለስተ ኩባንያታትን ማዕቀብ ኣዊጁ።

እቲ መቕጻዕቲ ነቶም ``ንኽፉእ ምንቅስቓሳት`` እቲ ጉጅለ ሚልዩናት ዶላራት ዝመወሉ ዘነጻጸረ ከምዝኾነ ሚኒስተር ኣሜሪካ ፋይናንስ ስቲቭን ሙንቺን ገሊጹ።

ማእከላይ ባንክ ኢራን እቲ ወትሃደራዊ ሓለዋ ሰውራ መታን ዶላራት ናይ ምርካብ ዕድሉ ንምዕባይ ``ዓቢ ስርዓተ-መርበብ ምቕያር ባጤራ`` ከፊትሉ ኢሉ እቲ ምኒስተር።

ኩሎም እቶም ሽዱስተ ሰባት ኢራናውያን ኢዮም ኢሉ እቲ ምኒስትሪ።

ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ኣሜሪካ ምስዞም ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤሜሬትስ ብምትሕብባር ዝንቀሳቐሱ ሰባት ዝኾነ ንግዳዊ ርክባት ከየካይዱ ክኽልከሉ ኢዮም ኢሉ እቲ ምኒስተር።

ስርዓት ኢራንን ማእከላይ ባንክን ነቲ ክፉእ ምንቅስቓስ እቲ ሓለዋ ሰውራ እንተላይ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘካይድዎ ናይ ምዕጣቕን ናይ ውክልና ኲናትን ንምምዋልን ካብ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኤሜሬትስ ዝርከባ ትካላት ዝረኸብዎ ዶላራት ብዘይቅጥዒ ከምዝተጠቕምሉ ሙንቺኒ ገሊጹ።

ኩሉ ምንጭታት ኣታዊ እቲ ሓለዋ ሰውራ ንምብታኽ ክንጽዕት ኢና ድማ ኢሉ።

እንታይ`ዩ ሓለዋ ሰውራ?

ኢራን ኣብ 1979፡ ድሕሪ እቲ ንጉሳዊ ስርዓት ካብ ስልጣን ምግላፉን ሃይማኖታዊ መራሒ ኣያቶላህ ኾሜኒ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡን ኢያ እስላማዊት ሪፑብሊክ ዝኾነት።

ኾሜኒ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ድማ ነቲ መትከላት እቲ ሰውራ ንምዕቃብን ምክልኻልን ድማ ሓለዋ ሰውራ መስሪቱ።

ካብ ሽዑ ንድሓር ድማ እቲ ትካል ኣብቲ ሃገር እቲ ዝዓበየ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሉ ኮይኑ። እቲ ትካል ኣሽሓት ወተሃደራትን ወተሃደራዊ ኣጽዋራትን ስለዝውንን ድማ ኣብ ኢራን ኣብ ዝርአ ዝኾነ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኢድ ዘለዎ።

እዚ ናይ ሕጂ ማዕቀብ ብፍላይ ነቲ ኣብ ወጻኢ ፍሉይ ስርሒታት ዘካይድ ሓይሊ ቁድስ ዘንጻጸረ ኢዩ።

ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነዚ ጉጅለ`ዚ ``ብልሹው ናይ ግብረ-ሽበራ ሓይልን ሚሊሻን`` ድሕሪ ምስማዩ፡ ኣብ ጥቅምቲ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ማዕቀብ ዝኣወጀ።

ክልተ መዓልቲ ድሕሪ ፕሬዚደንት ትራምፕ ካብቲ ኣሜሪካ ምስ ኢራን ከቲማቶ ዝነበረት ውዕል ድሕሪ ምስሓቡ ኢዩ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ጸቕጢ ንምፍጣር እዚ ሓድሽ መቕጻዕቲ ዝተበየነ።

እቲ ኣብ 2015 ዝተኸተመ ውዕል፡ ኩሉ ናይ ኢራን ናይ ኒዩክለር ምንቅስቓሳት ክእግድ ከሎ፡ ኣምሳይኡ ድማ እቲ ብሕቡራት ሃገራትን ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ልዕሊ ኢራን ተኣዊጁ ዝነብረ ማዕቀብ ምልዓል ዘጠቓለል ኢዩ ነይሩ።

ናይ ትራምፕ ካብቲ ውዕል ናይ ምስሓብ ውሳነ፡ ዓቢ ``ጌጋ`` ኢዩ ኢልዎ ናይ ኢራን መራሒ ኣዮቶላህ ዓሊ ኻሜኒ።

Image copyright AFP

ኢራን`ከ እንታይ ክትገብር ጸኒሓ?

እስራኤል እቲ ኢራናዊ ሓይሊ ቁድስ ብሓሙስ ንግሆ ኣብ ልዕሊ`ቲ ኣብ ሶርያ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቦትኣ 20 ሮኬታት ምውንጫፉ ወንጂልዎ።

ምክልኻል ሓይልታት እስራኤል ከምዝበሎ፡ እተን ኣርባዕተ ሮኬታት ክዓግተን ከሎ እተን ዝተረፋ 16 ሮኬታት ግና ዕላምአን ከይሃረማ ከምዝተረፋ ገሊጹ።

ከም ግብረ-መልሲ ናይቲ ኢራን ኣብቲ ከባቢ ትገብሮ ድማ፡ ነፈርቲ ኲናት እስራኤል 70 ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን ኣብ ሶርያ ከምዝሃረመትን ዓቢ ዕንወት ከምዘውረደትን ገሊጻ።

ገለ ካብቲ ናይ እስራኤል ዒላማታት ኣብ ሶርያ ድማ ናይ ጸጥታን ወተሃደራውን ናይ ኣጽዋር መኻዚኖታትን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ።

ሩስያን ጀርመንን ፈረንሳን ድማ ክልቲኤን ሃገራት ክዕገሳ ድማ ተማሕጺኖም። በንጻሩ መንግስቲ ኣሜሪካ ኢራን ናይ ኩሉ እቲ ተካይዶ ዘይሓላፍነታዊ ምንቅስቓስ ምሉእ ሓላፍነት ክትቅበል ኣለዋ፡ እስራኤል ድማ ሃገራ ክትከላኸል መሰል ኣለዋ ኢላ።