ኣሜሪካ ኣብ እየሩሳሌም ኤምባሲ ብምኽፋታ ብዙሓት ፍልስጤማውያን ሞይቶም

ዝቖሰለ ተቓዋሚ ዝተሰከሙ ፍልስጤማውያን Image copyright AFP

ሰብመዚ ፍልስጤም፡ ወተሃደራት እስራኤል ብውሑዱ 52 ፍልስጤማውያን ከምዝቐተሉን 2,400 ከምዝቖሰሉን ሓቢሮም።

እዚ ኣብ 2014 ካብ ዝነበረ ኲናት ጋዛ እቲ ዝኸፍአ መዓልቲ ዓመፅ ከምዝኾነ ይግለፅ።

እቲ ዓመፅ ዝተልዓለ ኣሜሪካ ኤምባሲኣ ኣብ እስራኤል ምስከፈተት'ዩ።

ንሶም ከምዝብልዎ፡ እስራኤል ንምሉእ ከተማ እየሩሳሌም ከተመሓድር ኣሜሪካ ብቕሉዕ እናደገፈት'ያ። ፍልስጤማውያን ድማ ምብራቓዊ ክፋል እታ ከተማ ናቶም ከምዝኾነ ይገልፁ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ እስራኤል ርእሰ ከተማይ ንዝበለታ ከተማ ኣፍልጦ ከይተውሃበ ምፅንሑ ብምዝኽኻር፡ ሕዚ ግን ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ተቓውሞኦም ዝገልፁ ፍልስጤማውያ፡ እምንን ዝረኸብዎ ነገራትን ክድብርዩ ከለው፡ ሰራዊት እስራኤል ድማ 'ስናይፐር' (ተሓቢኦም ዝትኩሱ) እናተጠቐመ'ዩ።

ብሃማስ ዝምራሕ ሚንስትሪ ጥዕና ከምዘፍለጦ፡ ካብቶም ሎሚ ሰኑይ ዝተቐተሉ ሰባት ህፃናት ይርከብዎም።

ብወገን እስራኤል ዝተውሃበ መግለፂ፡ እቲ ዓመፅ ንዶብ እታ ሃገር ጥሒስካ ብምእታው ኣብ'ቲ ከባቢ ንዝነብሩ እስራኤላውያን ምህሳይ ዝዓለመ ከምዝኾነ የመልክት።

ሰራዊት እስራኤል፡ 40,000 ፍልስጤማውያን ኣብ'ቲ ዓመፅ ከምዝተዋፈሩ ሓቢሩ።

ኣብ ጥቓ ራፋ ኣብ ዝርከብ ሓፁር፡ ተቐፃፃሊ ነታጒ ንምቕባር ዝፈተኑ ሰለስተ ሰባት ከምዝቐተለ'ውን ወሲኹ ኣፍሊጡ።

ብፍልስጤማውያን ዝተወገዘ ስጉምቲ

እዚ ናይ ኣሜሪካ ተበግሶ ብመንግስቲ እስራኤል ክውደስ ከሎ፡ ብፍልስጤማውያን ግና ዝተወገዘ ስጉምቲ`ዩ፡ ኣንጻሩ ተቓውሞ ንምስማዕ ድማ ይተኣኻኸቡ ኣለው።

ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኣብቲ ናይ ሰኑይ ጽምብል ክካፈሉ ኢዮም፡ እንተላይ ጓል ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ - ኢቫንካ ምስ ብዓል ቤታ ጃሬድ ኩሽነር።

ናይ ፕሬዚደንት ዶናላድ ትራምፕ ነቲ ኤምባሲ ካብ ቴልኣቪቭ ናብ ዮሩሳሌም ናይ ምግዓዝ ውሳነ ንፍልስጤማውያን፡ ብፍላይ ነቶም ምብራቕ ዮሩሳሌም ከም መጻኢ ርእሰ ከተማ መንግስቲ ፍልስጤም ዝሓስብዋ፡ ኣነዲርዎም ኢዩ።

እስራኤል ንምብራቕ እዮሩሳሌም ኣብቲ ናይ 1967 ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኲናት ኢያ ተቖጻጺራታ። ነታ ከተማ ከም ``ዘልኣለማዊትን ዝየትምቀልን`` ከተምኣ ኢያ ትቖጽራ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ዓሚ ነታ ከተማ ከም ናይ እስራኤል ርእሰ ከተማ ምፍላጥ፡ ነቲ ኣሜሪካ ንዓሰርተታት ዓመታት ትኽተሎ ዝነበረት ናይ ሻራ-ኣልቦ መርገጺ ኣፍሪስዎ፡ ከምሳዕቤኑ ድማ ንኣሜሪካ ምስ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ዘይምርድዳእ የእትይዋ።

እንታይ`ዩ ክጽንበል፡ ብዓል መን`ከ ኢዮም ክካፈሉ?

ካብ ሰኑይ ጀሚራ፡ ሓንቲ ጊዝያዊት ንእሽቶ ኤምባሲ ኣብታ ኣብ ዮሩሳሌም ትርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ኣሜሪካ ስርሓ ክትጅምር ኢያ።

ዝዓበየ ቦታ ምስተረኽበ ድማ እቲ ዝተረፈ ክፋል ናይቲ ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ኤምባሲ ናብ ዮሩሳሌም ክግዕዝ ኢዩ።

ምስ ናይ እስራኤል መበል 70 ዓመት ጽምብል ናጽነት ንኽቃዶ ኢዩ ድማ እቲ ጽምብል ምኽፋት እቲ ኤምባሲ ዝተቐላጠፈ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቶም ብሰኑይ ኣብቲ ጽምብል ዝካፈሉ ሰበ ስልጣናት ብቪድዮ መደረ ክስምዖም ኢዩ።

ብጀካ ኢቫንካ ትራምፕን ብዓል ቤታ ጃሬድ ኩሽነርን፡ ክልቲኦም ላዕለዎት ኣማኸርቲ ዋይት ሃውስ [ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ]፡ ናይ ኣሜሪካ ፋይናንስ ምኒስተር ስቲቨን ሙኑቺንን ምክትል ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጆን ሱልቭያን ኣብቲ ጽምብል ክካፈሉ ኢዮም።

ሕብረት ኤውሮጳ ምኽፋት ናይቲ ኤምባሲ ኣትሪሮም ኢዮም ተቓዊሞሞ። ስለዝኾነ ድማ መብዛሕትኦም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣምባሳደራት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ጽምብል ዘይካፈሉ።

እንተኾነ ካልኦት ናይ ወጻኢ ዲፕሎማት ከም ወከልቲ ሃገራት - ሃንጋሪ ሩማንያን ሪፑብሊክ ቼክን፡ ነቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መርገጺ ዝተቓወሙ፡ ኣብቲ ጽምብል ክካፈሉ ኢዮም ይብሃል።

ናይ ጓቴማላን ፓራጓይን ፕሬዚደንታት ኣብቲ ጽምብል ክካፈሉ ኢዮም ይብሃል። ክልቲኤን ሃገራት ድሕሪ ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ መግለጺ ኤምባሲታተን ካብ ቴልኣቪቭ ናብ ዮሩሳሌም ከግዕዛ ዝወሰና ሃገራት ኣየን።

ናይ እስራኤልን ፍልስጤማውያን መልሰ-ተግባር` ከመይ ነይሩ?

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እስራኤላውያን ብወሳነ ኣመሪካ ሓጎሶም እናገለፁ እዮም

ቀዳማይ ምኒስተር ኣስራኤል ቤንጃሚን ኔቴኛሁ ኩለን ሃገራት ንኣሜሪካ ብምስዓብ ኤምባሴታተን ናብ ዮሩሳሌም ከግዕዛ ጸዊዑ።

ፕሬዚደንት ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ድማ ኣቲ ናይ ትራምፕ ውሳነ ``ናይዚ መዋእል ጽፍዒት ኢዩ`` ኢልዎ።

ብሰኑይ፡ ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ኣብቲ ንእስራኤልን ጋዛን ዝፈላሊ ሓጹር ብምትእኽኻብ ተቓውምኦም ከስምዑ ኢዮም።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ፍልስጤማውያን ተቃውሞኦም እንተስምዑ

ናይቲ ኤምባሲ ናብ ዮሩሳሌም ምግዓዝ፡ ኣብ ጋዛ ዝተፈጥረ ውጥረት የዕብይዎ።

ካብ ወርሒ መጋቢት ንድሓር ጥራይ ልዕሊ 40 ፍልስጤማውያን ተቓወምቲ ኣብቲ ናይ ሓባር ዶብ ተቐቲሎም።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰል ሓላፊ፡ ዘይድ ራዓድ ኣል-ሑሴን ኣስራኤል ``ኣመና ሓይሊ`` ብምጥቃማ ከሲሱ።

በንጻሩ ኣስራኤል ህዝባ ካብቶም ኣብቲ ዶባት መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ዝፍትኑ ዝነበሩ ንምክልኻል ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደት ኢያ ትገልጽ።

ስለምንታይ`ዩ እቲ ናይ ኣሜሪካ ተበግሶ ኣካታዒ ዝኾነ?

ናይ ዮሩሳሌም ማሕበራዊ ቦታ ኣብ ዓለም ሕመረት ናይቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን-ፍልስጤምን ዘሎ ጎንጺ ኢዩ።

ናይ እስራኤል ልዑላውነት ዮሩሳሌም ብኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ተቐባልነት የብሉን፡ በመሰረት ናይ 1993 ናይ እስራአኤል-ፍልስጤማውያን ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ናይ ሰላም ዝርርብ ክውሰን ኢዮም ተሰማሚዕም ነይሮም።

ካብ 1967 ዓመተ ፈረንጂ ንድሓር ጥራይ እስራኤል ኣብ ምብራቕ ዮሩሳሌም ኣብ ደርዘናት ናይ ሰፈራ ቦታታት ንልዕሊ 200,000 ኣይሁዳውያን ዘዕቁብ ገዛዊቲ ዝሃነጸት።

እዚ ናይ እስራኤል ስጉምቲ ድማ ብኣህጉራዊ ሕግታት ከም ዘይሕጋዊ ዝውሰድ፡ ዋላ`ኳ እስራኤል ነቲ ውሳነ እንተተቓወመቶ።

ተወሳኺ ዛንታ