ኣሜሪካ ኣብ እየሩሳሌም ኤምባሲ ብምኽፋታ ብዙሓት ፍልስጤማውያን ሞይቶም

ዝቖሰለ ተቓዋሚ ዝተሰከሙ ፍልስጤማውያን Image copyright AFP

ሰብመዚ ፍልስጤም፡ ወተሃደራት እስራኤል ብውሑዱ 43 ፍልስጤማውያን ከምዝቐተሉን 2,200 ከምዘቖሰሉን ሓቢሮም።

እዚ ኣብ 2014 ካብ ዝነበረ ኲናት ጋዛ እቲ ዝኸፍአ መዓልቲ ዓመፅ ከምዝኾነ ይግለፅ።

እቲ ዓመፅ ዝተልዓለ ኣሜሪካ ኤምባሲኣ ኣብ እስራኤል ምስከፈተት'ዩ።

ንሶም ከምዝብልዎ፡ እስራኤል ንምሉእ ከተማ እየሩሳሌም ከተመሓድር ኣሜሪካ ብቕሉዕ እናደገፈት'ያ። ፍልስጤማውያን ድማ ምብራቓዊ ክፋል እታ ከተማ ናቶም ከምዝኾነ ይገልፁ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ እስራኤል ርእሰ ከተማይ ንዝበለታ ከተማ ኣፍልጦ ከይተውሃበ ምፅንሑ ብምዝኽኻር፡ ሕዚ ግን ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ተቓውሞኦም ዝገልፁ ፍልስጤማውያ፡ እምንን ዝረኸብዎ ነገራትን ክድብርዩ ከለው፡ ሰራዊት እስራኤል ድማ 'ስናይፐር' (ተሓቢኦም ዝትኩሱ) እናተጠቐመ'ዩ።

ብሃማስ ዝምራሕ ሚንስትሪ ጥዕና ከምዘፍለጦ፡ ካብቶም ሎሚ ሰኑይ ዝተቐተሉ ሰባት ህፃናት ይርከብዎም።

ብወገን እስራኤል ዝተውሃበ መግለፂ፡ እቲ ዓመፅ ንዶብ እታ ሃገር ጥሒስካ ብምእታው ኣብ'ቲ ከባቢ ንዝነብሩ እስራኤላውያን ምህሳይ ዝዓለመ ከምዝኾነ የመልክት።

ሰራዊት እስራኤል፡ 40,000 ፍልስጤማውያን ኣብ'ቲ ዓመፅ ከምዝተዋፈሩ ሓቢሩ።

ኣብ ጥቓ ራፋ ኣብ ዝርከብ ሓፁር፡ ተቐፃፃሊ ነታጒ ንምቕባር ዝፈተኑ ሰለስተ ሰባት ከምዝቐተለ'ውን ወሲኹ ኣፍሊጡ።