ናይ ቦምባ ርእሰ-ቕትለት ዝፈጸመት ስድራ ቤት ኢንዶኔዥያ

ኣብ ኢንዶኖዢያ ዘጋጠመ ቕትለት Image copyright Reuters

ብሰኑይ፡ 14 ግንቦት፡ ሓሙሽተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ክልተ ሞተር ብሽክሌት ብምውጣሕ ኣብ ኢንዶኔዥያ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ከተማ ሱራባያ ናይ ቦምባ ርእሰ ቅትለት ፈጺሞም።

እዚ ፍጻመ፡ ድሕሪ`ቲ ብሰንበት ክልእ ስድራ ቤት ኣብ ሰለስተ ኣብያተ ክርስትያናት መጥቃዕቲ ቦምባ ምፍጻሞም ኢዩ ተካይዱ።

ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ [እስላሚክ ስቴት፡ ኣይ ኤስ] ነቲ ናይ ሰንበት 13 ግንቦት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ተኣሚኑ።

ፖሊስ ከምዝበሎ፡ ሓንቲ ጓል ሸሞንተ ዓመት ቆልዓ ካብቲ ናይ ሎሚ መጥቃዕቲ ሰሪራ።

ኢንዶኔዥያ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሑ ኣመንቲ ምስልምና ዘለዋ ሃገር ኢያ።

ኣብዛ ኣስታት 260 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብሩላ ብእኩባት ዴሴታት ዝቖመት ሃገር፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሓት ናይ እስላማዊ ሚሊሻታት መጥቃዕትታት ክቀላቐሉ ጀሚሮም።

ናይቲ ኣብ ሱራባያ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ብፍላይ ናይቲ ጅሃዳዊ ጉጅለ ምንቅስቓስን ዓቅሙን ኣብቲ ህዝቢ ሓድሽ ስክፍታታት ፈጢሩ።

እቲ ቪድዮ ከምዘርእዮ፡ ቅድሚ እቲ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ መጥቃዕቲ ምክያዱን እቲ ቦምባ ምፍንጃሩን፡ ክልተ ሞቶር ብሽግሌታታ ናብቲ መቆጻጸሪ ነቑጣ ከምርሓ የርኢ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር ከምዝበልዎ፡ ሽዱሽተ በርጌስታን ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሃስዩ ገሊጾም።

Image copyright HANDOUT

እታ ጓል ሸሞንተ ዓመት ቆልዓ ዝሰረርት ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ህሞት፡ ኣብታ ሞቶር ብሽግሌታ ኣብመንጎ ኣቦኣን ኣዲኣን ኮፍ ኢላ ስለዝነበረት ኢዩ ተባሂሉ።

ቅድሚ ናይ ሎሚ መጥቃዕቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ

ኢንዶኔዥያ ድሕሪ ናይ ሰንበት ብሓንቲ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣብ ሱራባያ፡ ርእሰ ከተማ ናይ ኣውራጃ ጃቫ፡ ኣብ ሰለስተ ኣብያተ ክርስትያናት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ እታ ሃገር ኣብ ተጠንቀቕ ኢያ ጸኒሓ።

እታ ኣደ ምስ ክልተ ኣዋልድ ደቃ ንሓንቲ ኣብያተ ክርስትያን ኢያ ኣነጻጺራ፡ እቲ ኣቦ ድማ ምስ ክልተ ኣወዳት ደቁ ንኽልተ ኣብያተ ክርስትያናት ኢዮም ዒላማ ገይሮም።

ንፈለማ እዋን ትማሊ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ቦምባ ናይ ርእሰ ቅትለት መጥቃዕቲ ኣካይዳ ኢሉ ሓላፊ ሃገራዊ ፖሊስ፡ ቲቶ ካርናቭያን። ዓሚ ሓንቲ ጓል 28 ዓመት ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ቦምባ መጥቃዕቲ ከተካይድ መዲባ፡ ቅድሚ ምፍጻማ ድማ ተታሒዛን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ትርከብ ኢሉ።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ 14 ሰባት ክቕተሉ ከለው ልዕሊ 40 ድማ ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ። እዚ ናይ ትማሊ ናይ ኢንዶኔዥያ መጥቃዕቲ እቲ ዝኸፍአ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኢንዶኔዥያ ዝተራእየ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ተፍሊጡ።

ፖሊስ ከምዝበሎ፡ እቲ ኣቦ፡ ዲታ ኦፒራቶ፡ ሓላፊ ናይቲ ጄማ ኣንሻሩት ደውላ ዝተባህለ ኣካል ናይቲ ኣብ ኢንዶኔዥያ ዝርከብ ጉጅለ እስማላምዊ መንግስቲ ኢዩ ኢሉ።