ሰሜን ኮርያ ምስ ትራምፕ ንምርኻብ ዝሓዘቶ ቆፀራ ከምእትስርዞ ኣጠንቂቓ

ኪምን ትራምፕን Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሲንጋፖር ክራኸቡ ንሰነ ቆፀራ ተታሒዙ ነይሩ

ሰሜን ኮርያ እንተድኣ ኣሜሪካ ናይ ኒዩክለር መደባታ ደው ከትብል ጸቕጢ ተገብር ኮይና፡ ካብቲ ምስ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኪግበር ዝተመደበ ኣኼባ ክትስሕብ ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጻ።

እቲ ብዓቢ ሃንቅውታ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣኼባ ፕሬዚደንት ትራምፕን ናይ ሰሜን ኮርያ መራሒ ኪም ጆንግ-ኡን ብ12 ሰነ ኣብ ሲንጋፖር ኢዩ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ።

እንተኾነ፡ ናይ ሰሜን ኮርያ ምክትል ምኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኪም ከይ-ግዋን ብሓርቆት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ብኣሜሪካ ዝተዋህበ ሓላፍነት ዝጎደሎ ሕቡእን እከይን ውጥናት ዘለዎ መግለጺ ወንጂሉ።

እቲ ናይ ሰሜን ኮርያ ብዓል ስልጣን ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ፡ ጆን ቦልቶን ዘነጻጸረ ኢዩ ነይሩ።

ቦልቶን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሰሜን ኮርያ ኣሰር ናይቲ ሊብያ ዝተኸተለቶ ናይ ኒዩክለር ኣጽዋር ምንካይ ሞዴል ክትስዕብ ኢዩ ሓሳባት ኣቕሪቡ። ብዙሓት ተንተንቲ እቲ ሞዴል፡ ብፍላይ ድሕሪ`ቲ ኣብ መወዳእታ መራሒ ሊብያ ዘጓነፎ ኩነታት፡ ንሰሜን ኮርያ ዘሰንብድ ኢዩ ይብሉ።

ኪም ከይ-ግዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ``ነቲ ጉዳይ ብልዝብ ንምፍታሕ ዝኾነ ሰናይ ድልየት ኣይነበሮን`` ኢሉ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይ ደቡብ ኮርያ ነፋሪት ውግእ F-15K

መንግስቲ ሰሜን ኮርያ እንተድኣ ኣሜሪካ ናይ ግድን ናይ ኒዩክለር ኣጽዋር መደባታ ደው ከትብል ጸቕጢ ትገብር ኮይና ካብቲ ምስ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ሲንጋፖር ብ12 ሰነ ኪግበር ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ክትስሕብ ከምትኽእል ኣጠንቂቓ።

ሰሜን ኮርያ እንተድኣ ኣሜሪካ ናይ ኒዩክለር መደባታ ደው ከትብል ጸቕጢ ተገብር ኮይና፡ ካብቲ ምስ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኪግበር ዝተመደበ ኣኼባ ክትስሕብ ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጻ።

እቲ ብዓቢ ሃንቅውታ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣኼባ ፕሬዚደንት ትራምፕን ናይ ሰሜን ኮርያ መራሒ ኪም ጆንግ-ኡን ብ12 ሰነ ኣብ ሲንጋፖር ኢዩ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ።

እንተኾነ፡ ናይ ሰሜን ኮርያ ምክትል ምኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኪም ከይ-ግዋን ብሓርቆት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ብኣሜሪካ ዝተዋህበ ሓላፍነት ዝጎደሎ ሕቡእን እከይን ውጥናት ዘለዎ መግለጺ ወንጂሉ።

እቲ ናይ ሰሜን ኮርያ ብዓል ስልጣን ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ፡ ጆን ቦልቶን ዘነጻጸረ ኢዩ ነይሩ።

ቦልቶን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሰሜን ኮርያ ኣሰር ናይቲ ሊብያ ዝተኸተለቶ ናይ ኒዩክለር ኣጽዋር ምንካይ ሞዴል ክትስዕብ ኢዩ ሓሳባት ኣቕሪቡ። ብዙሓት ተንተንቲ እቲ ሞዴል፡ ብፍላይ ድሕሪ`ቲ ኣብ መወዳእታ መራሒ ሊብያ ዘጓነፎ ኩነታት፡ ንሰሜን ኮርያ ዘሰንብድ ኢዩ ይብሉ።

ኪም ከይ-ግዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ``ነቲ ጉዳይ ብልዝብ ንምፍታሕ ዝኾነ ሰናይ ድልየት ኣይነበሮን`` ኢሉ።

እቲ መግለጺ ኣብ ልዕሊ`ታ ምዕርግቲ ሃገርና ከም ናይ ሊብያን ዒራቕን ትዕድልቲ ክበጽሓና ዝትምነ እከይ መግለጺ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ልዕሊ ቦልቶን ዘለና ጽልኢ ከይሓባእና ገሊጽና ኢና ኢሉ ኪም ከይ-ግዋን።

ኪም ከይ-ግዋን ብሮቡዕ ኣብ ዝሓቦ መግለጺ፡ ``እንተድኣ ኣሜሪካ ነቲ ናይ ኒዩክለር ኣጽዋር መደባትና ጨሪስና ደው ከንብሎ ጸቕጢ ትገብረልና ኮይና፡ ኣብቲ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዝርርብ ዝኾነ ድለየት ናይ ምክፋል ኣይክህልወናን ኢዩ።

ኣብቲ ኣብ መንጎ ዴሞክራስያዊት ህዝባዊት ሪፑብሊክ ኮርያን ኣሜሪካን ክግበር ዝተመደብ ኣኼባ ክንካፈልን ከይንካፈልን ዳግመ-ግመት ክንገብረሉ ኢና`` ኢሉ።

ብምቕጻል፡ ``ሰሜን ኮርያ እቲ ዝርርብ፡ ነቲ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ኩነታት ዘርግእን፡ ኣብ ምህናጽ መጻኢ ኩነታት ዓቢ ኣስተዋጾ ክህብ ተስፋ ነይርዋ`` ኢሉ።

``እንተድኣ ፕሬዚደንት ትራምፕ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መራሒ ኣሰር ዝኽተል ኮይኑ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መራሒ ኣዝዩ ዘጉህን ዘይዕውትን መራሒ ክኸውን ኢዩ። ካብቲ ኣቐዲሙ ኣተንቢህዎ ዝነበረ ተራእዩ ዘይፈልጥ ድልየት ድማ ኣዝዩ ዝረሓቐ ክኸውን ኢዩ`` ኢሉ።

ቅድሚ`ዚ መግለጺ፡ ብሮቡዕ ከም መርኣያ ናይ ዝምዕብል ዘሎ ሽግራት፡ ሰሜን ኮርያ ካብቲ ብሮቡዕ ምስ ደቡብ ኮርያ ክትገብሮ መደብ ተታሕዝሉ ዝነበረ ዝርርብ ከምዝሰሓበት ተፈሊጡ ኣሎ።

ሰበ ስልጣናት ክልቲኡ ሃገራት ኣብቲ ካብ ወተሃደራዊ መንቅስቓስ ነጻ ዝኾነ ቦታ ብምርኻብ ኣብ ዝርዝራት ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኸተመ ታሪኻዊ ስምምዕ ክዘራረቡ ትጽቢት ነይሩ።

እንተኾነ ሰሜን ኮርያ በቲ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ኣብቲ ከባቢ ዘካይድዎ ዘለው ወተሃደራዊ ታዕሊም ብምሕራቓ ካብቲ ዝርርብ ኣንሳሒባ።

እንተኾነ፡ ናይ ኮርያ ማእከላይ ናይ ዜና ማዕከን እቲ ታዕሊም ``ምትኹታኽ`` ኢዩ ታዕሊም ንመጻኢ ወራር ንምድላው ዝዓለመ ኢዩ ኢልዎ።