ኤምባሲታት ንፍርዲ ሞት ሱዳናዊት ንእስቲ ተቓዊመን

ኣብ ሱዳን ዝዓብያ ደቀኣንስትዮ ብናይ ተባዕታዊ ሕግታት ከምዝፀቀጣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሱዳን ዝዓብያ ደቀኣንስትዮ ብናይ ተባዕታዊ ሕግታት ከምዝፀቀጣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ

ኣብ ሱዳን ዝርከባ ኤምባሲታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ብቤት ፍርዲ'ታ ሃገር ንሰብኣያ ቀቲላ ተባሂላ ትኽሰስ ጓል 19ተ ዓመት ንሞት ድሕሪ ምፍራዳ ብትሪ ከምዝተቓወምዎ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ኤ ኤፍ ፒ ከምዝሐበሮ ኤምባሲታት ኖርወይን ስዊዘርላንድን ነቲ ሞት ብይን ብትሪ ተቓውምኣን ከምዝገለጻ ኣብቲ ብሓባር ዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጠን።

ሰለስተ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ናብ ፕረስደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሺር ንታ ጓል ምሕረት ክግበረላ ትማሊ ሰሉስ መልእኽቲ ከምዝጸሐፉሉ ተፈሊጠ'ሎ።

እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓልቦ ብዙሐት ሰባት ክስሕብ እንከሎ፡ ፍትሒ ንኑራ ዝብል ጎስጓስ ኣንጻር ናይ ሞት ብይን ይካየድ ኣሎ።

ኑራ ሑሴን ንሰብኣያ ብሓይሊ ዓሚጹኒ ብምባል ከምዝቐተለቶ ይግለፅ። እንተኾነ ግን፡ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ከፍርሳ ይጸዕራ ኣለዋ።