ኬንያ ዩጋንዳን ታንዛንያን ኣንጻር ናይ ሓሶት ዜና ጎስጉስ ጀሚረን

ኡሁሩ ኬንያታ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ኡሁሩ እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ንገበናት ሳይበር ከምዝቆፃፀር ገሊፆም

ኬንያ፡ እቲ ኣንጻር ``ናይ ሓሶት ዜና`` ሕጊ ተተእታቱ ዘላ፡ ብመርበብ ኮምፒዩተር ዝፍጸሙ ገበናት፡ ፖኖግራፊ፡ ምሽዳድን ምድሃልን፡ ሃገራዊ ጸጥታን ቁጠባን ዝሓሲ ወንጀላት ንምክልኻል ዝዓለም ክኸውን ከሎ፡ ታንዛንያ ድማ ብብሎገርስ ዝናፈስ ሓሶታት ንምምካት ክትብል ኮላ፡ ዩጋንዳ ድማ ነቲ ሕጊ ተተእታቱ ዘላ ነቶምማንጻር ምርጫ ፕሬዚደንት ሙሰቨኒ ኣብ ናይ 2021 ምርጫ ዝቃውሙ ንምቕጻዕ ዝዓለም ኢዩ ይብሃል።

ብዝኾነ ነቐፍቲ እቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተእታቶ ዘሎ ሕግታት ናይ ፕሬስ ናጽነት ንምዕፋን ዝዓለም ኢዩ ይብሉ።

ኬንያ ነቶም ናይ ``ሓሶት ዜና``ዘጋውሑ ዝቐጽዕን ነዊሕ ናይ ማእሰርቲ ግዜ ዝብይንን ሓድሽ ሕጊ ዝተእታተወት ቀዳመይቲ ሃገር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኢያ።

ብመሰረት እቲ እማመ፡ እቶም ናይ ``ሓሶት`` ዜና ዝዘርገሑ ናይ 50,000 ዶላር ኣሜርካ መቕጻዕትን ስጋብ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርትን ክፍረዱ ይእምም።

እቲ ተኣሚሙ ዘሎ ሕጊ ብዘይእግባብ ኮምፒዩተር ምጥቃምን ብመርበብ ኮምፒዩተር ወንጀል ምፍጻምን ብማሕበራዊ ገጻት ምሽዳድን ምድሃልን ወዘተ ክመ ገበን ኢዩ ዝገልጾ።

ነቲ ኣብ ኬንያ ዩጋንዳን ታንዛንያን ኣንጻር ናይ ``ሓሶት ዜና``ዝወጸ ሕጊ ዝነቕፉ ውልቀሰባት ድማ ዕላማ ናይቲ ዝወጸ ሕጊ ነቲ ናጻ ዝኾነ ናይ ዜና ማዕከን ንምዕፋን ዝዓለመ ኢዩ ይብሉ።

እቲ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝከላኸል ኮሚቴ፡ ፕሬዚደንት ኡሁሩ ኬንያታት ነቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ዳግማይ ናብ ባይቶ ብምስዳድ ነተን ናይ ፕሬስ ናጽነትን ናይ ምዝራብ መሰልን ዝግህሳ ዓንቀጻት ንኽልዕልወን ተማሕጽኖሞ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ማዕከናት ዜና ኬንያ ነቲ ሕጊ ቀያዲ ከምዝኾነ ይገልፃ

ብምቕጻል እቲ ኮሚቴ፡ ገለ ክፋል ናይቲ ሕጊ መሰል ናይቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ናይ መንግስቲ ማዕከን ሓበሬታ ብምእታው ንህዝቢ ዝጉስጉሱ ሰባት ዝውንጅል ኢዩ ኢሎም።

``እቲ ሕጊ ብገለ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ነቲ ናይ ፕሬስ ናጽነት ክግህስዎ ኢዮም`` ኢሉ ሓደ ኬንያዊ ኣባል ናይ ጋዜጠኛታት ማሕበር።

ስለምንታይ`ዩ እቲ ሕጊ ተደንጊጉ?

ፕሬዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ሓድሽ ሕጊ ነቶም ኣብ መርበብ ኮምፒዩተር ወንጀል ዝፍጽሙን ናይ ህጻናት ፖሮኖግራፊ ዘርእዩን ኣብ ኮምፒዩተር ስርቅን ምጥፍፋን ዘካይዱ ዝቐጽዕ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ወንጀል ንሓገራዊ ድሕነት ዝደናደንን ኣብቲ ሃገር ፋይናንሳዊ ዕንወት ዝፈትርን ኮይኑ ድማ እቲ መቕጻዕቲ ስጋብ 100,000 ኣሜሪካን ዶላርን ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርትን ከኸትል ይክእል ተባሂሉ።

ኣብ መጋቢት፡ ገለ ባላት ባይቶ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቶም ምሽዳድን ምድሃልን ከምዘጋጠሞምን፡ ገለ ድማ ናይ ጥሓሶት ዜናታት ከምዝተዘርግሑን ገሊጾም ጥራየን ናይ ዝወጻ ናይ ደቀንስቶ ስእልታት ከምዝበጽሖምን፡ ኣስማቶም ብምጥቃም ድማ ናይ ሓሶት ናይ ማሕበራዊ ገጻት ከምዝተኸፍቱን ገሊጾም።

ኣብ ታንዛንያ`ኸ እንታይ ይግበር ኣሎ?

ኣብ ታንዛንያ ዘሎ ኩነታት`ውን ዝተፈልየ ኣይኮነን። እቲ መንግስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን እቶም ብኮምፒዩተር ሓበሬታ ዘመሓላልፉ [ብሎገርስ] ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ሓበሬታ ንኸማሓላልፉ ስጋብ 920 ዶላር ኣሜሪካ ክኸፍሉ ዝጠልብ ሓድሽ መምርሒ ኣውጺኣ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ማጉፉሊ ንኣካታዓይ ሕጊ ደገፎም ይገልፁ

ኣድላይነት ናይዚ ሕጊ፡ ሃገርና ካብ ምግዋሕ ``ሓሶት`` ንምክልኻል ኢና ነዚ መምርሒ ኣውጺእና ኢሉ እቲ መንግስቲ።

ናይ ታንዛንያ ናይ ብሎገርስ ማሕበር፡ ነቲ ዝወጸ መምርሒ ኣብ ኣባላቲ ዘለዎ ስምብራት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ገለ ኣባላቱ ካብቲ ናይ ስራሕ ዓለም ክወጹ ክግደዱ ኢዮም ኢሉ።

ናይ `ሕሜት ግብሪ` ኣብ ዩጋንዳ`ከ?

ኣብ ዩጋንዳ፡ መንግስቲ ፕሬዚደንት ዮዌሪ ሙሰቨኒ ኣብ ``ማሕበራዊ ገጻት`` ግብሪ ክስልዕ ኣውጺእዎ ዝነበረ መደብ ንግዚኡ ስጋብ እቲ ግብሪ ብኸመይ ከምዝስላዕን ዝትግበርን ናይ ክኢላታት ምኽሪ ንምርካብ ናይ ፋይናንስ ሚኒስተር ብዘቕረቦ ሓሳብ ክደናጎይ ተወሲኑ ኣሎ።

ፕሬዚደንት ሙሰቨኒ ኣብ ፌስቡክን ዋትስእፕን ግብሪ ክስላዕን እታዊኡ ድማ እታ ሃገር ኣንጻር ሳዕቤናት ሕሜት ኣብተካይዶ ምንቅስቓስ ክውዕል ኢዩ ሓሳባት ኣቕሪቡ ዝነበረ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ሙስቪኒ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ መራኸቢ ቀረፅ ንምንባር ተሊሞም ኣለዉ

ነቐፍቲ እቲ እማመታት`ከ እንታይ ይብሉ?

ገለ ነቕፍቲ ኬንያውያን ከምዝብልዎ፡ እዘን ሃገራት ገለ ዓንቀጻት ናይቲ ዝነበረ ናይ ወንጀል ሕግታት ዳግማይ ብምኽላስ እቶም ሰበስልጣናት ኣንጻርቶም ኣንጻሮም ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ዝጽሕፉ ብሎገርስ ስጉምቲ ንምውሳድ ኢዮም ነዚ ሃድሽ ሕግታት ዘተኣታትው ዘለው ይብሉ።

ገለ ናይ ኬንያ ብሎገርስ ኣብቲ ዓድ ዝርከባ ናይ ዜና ማዕከናት ዓቢ ጽልዋ ዘለዎም ኢዮም፡ ስጋብ ሓደ ሚልዮን ሰዓብቲ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ዘለዎም ኢዮም። እቲ ሕጊ ብዕሊ ግብራዊ ምስዝኸውን ድማ ገለ ብሎገርስ ካብቲ ናይ ስራሕ ዓለም ክወጹ ከምዝኾኑ ይገልጹ።

ናይ ዩጋንዳ ነቐፍቲ ድማ እቲ ወዲ 73 ዓመት መራሒኦም ነቲ ሕጊ ከተእታቱ ዝደሊ ዘሎ ነቲ ናይ ፕሬስ ናጽነት ንምዕፋን ኢዩ ይብሉ። ብፍላይ ነቶም ናይ ሙሰቨኒ ኣብ ናይ 2021 ምርጫ ዝቃወሙ ዘነጻጸረ ኢዩ ይብሉ።