ነቶም ሰባት ንምቕታል ልዕሊ 15 ጥይት ከምዝተተኮሰ ይግለፅ

ዲፕ ካማራ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ዝተቐተሉሉ ከባቢ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣስከሬን ዲፒን ዘዋሪ መኪንኦምን (ፀጋም) መኪንኦም (የማን)

ኣካያዲ ስራሕ ዲፒ፡ ትማሊ ኣማስዮም ካብ ፋብሪካ ስሚንቶ ዳንጎቴ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ መንበሪኦም ይጓዓዙ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ክልተ ዝተዓጠቑ ሰባት ናብ መኪንኦም ክትኩሱ ጀሚሮም። በቲ መጥቃዕቲ ድማ ንሶም ምስ ፀሓፊቶምን ዘዋሪ መኪንኦምን ተቐቲሎም።

ኣብ ጥቓ'ታ ህንዳዊ ዲፒ ካማራ ይጓዙላ ዝነበረት መኪና ኣስታት 17 ቀልሃታት ጥይት ከምዝረኣዩ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊፆምልና።

እቲ መጥቃዕቲ ምስተፈፀመ ኣብቲ ቦታ ከምዝበፅሑ ብምግላፅ፡ እታ ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና ተጋጭያ ደው ከምዝነበረት ሓቢሮም። እቶም ዕጡቓት ንዲፕ ካማራ ብ7 ጥይት ከምዝወቕዕዎም'ውን ተዛሪቦም።

ኣብ ወረዳ ኣደኣ በርጋ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኦህዴድ ድሪርሳ ታደሰ ድማ፡ ኣብቶም ኣካያዲ ስራሕን ክልተ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ 15 ጠያይቲ ከምዝተተኮሰ ኣረጋጊፆም።

"ዘወርቲ መኻይን እቲ ፋብሪካ ምስ ናይቲ ፋብሪካ ምምሕዳር ኣብ ዘይምርድዳእ ብምእታዎም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብ ስራሕ ኣይወፈሩን። ምስቲ ፋብሪካ ምስ ዝሰርሑ ገለ ኤጅንሲታት'ውን ልሙድ ዝባሃሉ ዘይምርድዳኣት ከምዝነበሩ ይፍለጥ" ኢሎም።

ሽሞም ክግለፅ ዘይደለዩ ሰራሕተኛ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተወሊዑ ኣብ ዝነበረ ጎንፂ ኣብ ልዕሊ መኻይንን ማሽናትን እቲ ፋብሪካ ጥቕዓት ተፈፂሙ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፡ እቶም ኣካያዲ ስራሕን ካልኦት ናይቲ ፍብሪካ ሓለፍትን ምስ ሕብረተሰብ ብዝገበርዎ ቀፃሊ ዘተ ሰናይ ዝባሃል ርክብ ተፈጢሩ ከምዝነበረ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ልዕሊ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ንፋብሪካ ስሚንቶ ዳንጎቴ ዘመሓደሩ ዲፒ ካማራ ብማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ተፈታውነት ከምዝነበሮምን ካብ ቋንቋ ኦሮሚኛ ዝወፀ ሳጓ (ተወሳኺ ስም) ከምዝተውሃቦምን ሓቢሮምና።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣይተ ፍፁም ኣረጋ፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ከምዝሓዘኑን መንግስቶም ኣብ ፈፀምቲ'ቲ ገበን ምርመራ ብምክያድ ናብ ፍርዲ ከምዘቕርቡ ምግላፆምን ኣፍሊጦም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት