ዲ.ሪ.ኮንጎ ሕማም ኢቦላ ናብ ከተማ ማባንዳካ ይባራዕ'ሎ

ናይ ጥዕና ሰራሕተኛታት ኣብ ቢኮሮ ሆስፒታል ኣብ ዲመኩራስያዊት ሪፓፐሊክ ኮንጎ Image copyright AFP/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ዛጊት ከባቢ 24 ሰባት ሞይቶም

ለበዳ ሕማም ኢቦላ ኣብ ዲመኩራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ካብ ገጠራት ናብ ከተማ ብምእታው ንምቁጽጻሩ ኣጸጋሚ ከይኸውን ስግኣት ፈጠሩ'ሎ።

ምኒስትር ጥዕና ታ'ሃገር ኦሌይ ኢሉንጋ ከምዘረጋገጾ እቲ ሕማም ኣብ ሓደ ሚልዮን ዝቅመጠላ ከተማ ማባንዳካ ካባቢ 130/ኪም ሪሒቃ እትርከብ ከምዝጀመረ'ዩ ዝሕብር።

እታ ከተማ ቀንዲ መደበር መጓዓዝያ ንዋና ከተማ ኪንሻሻ ዝመርሕ መስመር ከምዘለዋ ይግለጽ።

ዛጊድ 42 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ከምዘለውን 23 ከምዝሞቱን ክፍለጥ ተካኢሉ'ሎ።

ብመሰረት ሐበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ሰለስተ ዞባታት ኮንጎ ሕማም ኢቦላ ክህሉ ከምዝኽእል ይጥረጠር።

ሰራሕተኛ ውድብ ጥዕና ዓለም ፒተር ሳላማ ኣብ ዝሃቦ ሐበሬታ፡ ኣብ ሐለዋ ጥዕና ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት 450 ሰባት ምስቲ ሕማም ዝተለኽፈ ከለሊ እንከ'ሎ፡ ካባቢ 4000 ካልኣት በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ንምጽራይ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዲ.ሪ.ኮንጎ ስረሑ ከመዝጀመረ የመልክት።

ትማሊ ሮቡዕ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተላእከ ልዕሊ 4000 ፈውሲ ጸረ ኢቦላ ናብታ ሃገር ከምዝኣተወን፡ ካልእ መድሃኒት ኣብ ሐጺር ግዜ ከምዝኣቱን ተፈሊጡ።

እቲ ፈውሲ ጸረ ኢቦላ ካብ ትካል መድሃኒተ ተፍሪ ምርክ ኮይኑ ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዝነበረ ሕማም ኢቦላ ዓቢ ውጽኢታዊ ከመዝነበረ ይፍለጥ።

ለበዳ ሕማም ኢቦላ

ተኸታተልቲ ናይቲ ሕማም ከመዝሕብርዎ ቅልጡፍ ግብረመልሲ ካብ ዓለምለኻዊ ትካላት ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ምልባዕ ሕማም ብዕቱብ ተተሐሒዞማ ከምዘለው ዘነጽር'ዩ ይብሉ።

ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደበሩ ክኢላ ሕማም ኢቦላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ 'እዚ ጉዳይ ዝግብኦ ኣቃልቦ ብምርካቡን፡ ቅለጡፍ ስጉምቲ ከምዝተወስደሉን ሓቢሩ። ከምዚ ዓይነት ቅልጡፍ ግብረመልሲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማእከል ዝላባዕ ሕማም ከመዘይተኻደን'ውን ኣነጺሩ።

ኣብ ጊኒ፡ ሰራልዮንን ላይበርያን ካብ 2014 ክሳብ 2016 ኣብ ዝተኸስተ ሰፊሕ ሕማም ኢቦላ፡ ህይወት ልዕሊ 11,300 ሽሕ ሰባት ከም ዝጠፋኣ ይፍለጥ።