10 መሰረታውያን ሕቶታት ምስሕሓብ ፍሊስጤምን እስራኤልን

ከተማ የሩሳሌም Image copyright Getty Images

ዕለተ ሰኑይ ካብ 2014 ጀሚራ መዓልቲ ጠንቂ ሞትን ቓዛን'ያ። ብመሰረት ጸብጻብ ሰብ መዚ ፍሊስጤም እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ፍልስጤማውያን ብዝኸፈትዎ ቶክሲ 58 ክሞቱ አንከለዉ 3000 ከምዝቖሰሉ ይገልጹ።

ኣብቲ ፍሊስጤማውያን 'ናቕባ' ወይ 'ህልቂት' ኢሎም ዝሰየሙዎ ኣብ 1948 70 ዓመት ምምስራት ሃገረ እስራኤል ዝዝከረሉ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ዘጋጠመ ኮይኑ ምዝንባል ኣሽሓት ፍሊስጤማውያን ዘስዓበ ክስተት'ዩ።

ብተወሳኺ ዕለተ ሰኑይ ዘይመባልዕቲ ፍሊስጤማውያን ዝገብራ፡ ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ኣካታዒ ስጉምቲ ምግዓዝ ኤምባሲ ናብ እየሩሳሌም'ዩ።

ፍሊስጤማውያን ንምብራቕ እየሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ ፍሊስጤም ክሓስብዋ እንከለዉ፡ ኣሜሪካ ድማ ንእስራኤል ዘለዋ ደገፍ ንምግላጽ ኤምባሲኣ ናብታ ከተማ ኣግዒዛቶ።

እምበኣርከስ እዞም ዝስዕቡ 10 ነጥብታት ነዘን ክልተ ጽርዲ ዝኾና ሃገራት ጉዳየን ከረድኣና'ዩ።

Image copyright Getty Images

1. እቲ ምስሕሓብ ብኸመይ'ዩ ጀሚሩ?

ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን፡ ብጸረ ሴማውያን (ኣንታይ ሰመሪክ) ዝሰንከሩ ኣውሮጳውያን ኣይሁድ ካብ ኣውሮጳ ወጻኢ ሃገር ንሙቛም ጽዮን ዝብል ምንቅስቓስ ኣቒሞም ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም።

ኣብቲ እዋን'ቲ መሬት ፍሊስጤም ብኣስላም፡ ኣይሁዳውያንን ክርስትያንን ከም ቅዱስ መሬት ዝውሰድ ኣብ ትሕቲ ምቁጻጽር ግዝኣት ኦቶማን ቱርኪ'ዩ ነይሩ።

ብጽዮናዊ ምንቅስቓስ ዝተጸለዉ ኣይሁዳውያን ስደተኛታት ኣንጻር እቶም ኣብቲ ዞባ ዝለዓለ ቁጽሪ ዝሕዙ ዓረብን እስላምን ተላዓሉ።

ድሕሪ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ምፍራስ ግዝኣት ኦቶማን ስለዝሰዓበ ማሕበር ሃገራት ዓለም (ድሒሩ ናብ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተቐየረ) ብሪጣንያ ንፍሊስጤም ከተመሓድር ምሉእ ስልጣን ሃባ።

ብሪጣንያ ኣብ እዋን ኲናትን ድሕሪ ኲናትን ንዓረብን ንኣይሁዳውያንን ክትፍጽሞ ዘይካኣለት መብጽዓታት ኣተወትሎም።

ገለ ካብቲ ብዙሕ ምኽንያታት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ትሕቲ ብሪጣንያን ፈረንሳን ስለዝነበረ እሞ እዘን ክልተ ሃገራት ነናተን ጽልዋ ዘሕድራሉ ካባቢ ንምርካብ ኣብ ምስራሕ ስለዝነበራ'ዩ።

እቲ ኣብ መንጎ ዓረባዊ ሃገራውነት ጽዮናውያንን ዝነበረ ምስሕሓብ ብመገዲ ፍልስጤማውያንን ኣይሁዳውያን ዑጡቓት ናብ ሓውሲ ወተሃደራዊ ጎንጺ ዓረገ።

Image copyright Getty Images

ድሕሪ ምዝዛም እቲ ብዙሕ ሰብ ዘህለቐ ካልኣይ ኲናት ዓለም ናይ ኣይሁዳውያን ሃገር ናይ ምቛም ጥሙሕ ብዝያዳ ንሃረ።

ጸቕጢ ዝፈጠሮ ኣብ ውሽጢ እቲ ብብሪጣንያ ዝምሓደር ቦታ ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን ኣይሁዳውያንን ዶብ ስለዝተገበረ 14 ግንቦት 1948 መዓልቲ ምምስራት ሓዳስ ሃገር ኮነት።

ኣብ ዝስዓበ መዓልቲ ሃገራት ግብጺ፡ ዮርዳኖስ፡ ሶርያን ኢራቐን ነቲ ዝተመስረተ መፈላልዮ መስመር ተላፊነን ስለዝወረረኦ ናብ ቀዳማይ ኩናት ዓረብን-እስራኤልን ኣምራሓ።

ነዚ ኩናት እስራኤላውያን' ኩናት ናጽነት' ወይ 'ከዉናት ሓርነት'ኢሎም'ዩም ዝጽውዕዎ።ድሕሪ እዚ ኲናት፡ ናይ ፍሊስጤማውያን ሕሰም ጀመረ።

ፍሊስጤማውያን ናቕባ ወይ ህልቂት ኢሎም ዝሰምይዎ 750, 000 ዝኾኑ ፍሊስጤማውያን ናብ ጎሮባብቲ ሃገራት ዝተሰደዱሉን ብወተሃደራት እስራኤል ተሰጎጉሉን ኩነታት ተፈጥረ።እንተኾነ ኲናት ናይ 1948 ናይ መወዳእታ ኲናትን ዓረብን ኣይሁዳውያንን ኣነበረን።

Image copyright Getty Images

ኣብ 1956 ኣብ ስዊጽ ካናል ዝተላዓለ ቅልውላው፡ ንእስራኤል ኣብ ልዕሊ ግብጺ ክትላዓል ጠንቂ ኮና።

እቲ ኩናት ብወተሃደራዊ ዓወት እስራኤድሕሪ ምዝዛም እቲ ብዙሕ ሰብ ዘህለቐ ካልኣይ ኲናት ዓለም ናይ ኣይሁዳውያን ሃገር ናይ ምቛም ጥሙሕ ብዝያዳ ንሃረ።

ጸቕጢ ዝፈጠሮ ኣብ ውሽጢ እቲ ብብሪጣንያ ዝምሓደር ቦታ ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን ኣይሁዳውያንን ዶብ ስለዝተገበረ 14 ግንቦት 1948 መዓልቲ ምምስራት ሓዳስ ሃገር ኮነት።

ኣብ ዝስዓበ መዓልቲ ሃገራት ግብጺ፡ ዮርዳኖስ፡ ሶርያን ኢራቐን ነቲ ዝተመስረተ መፈላልዮ መስመር ተላፊነን ስለዝወረረኦ ናብ ቀዳማይ ኩናት ዓረብን-እስራኤልን ኣምራሓ።

ነዚ ኩናት እስራኤላውያን' ኩናት ናጽነት' ወይ 'ከዉናት ሓርነት'ኢሎም'ዩም ዝጽውዕዎ። ድሕሪ እዚ ኲናት፡ ናይ ፍሊስጤማውያን ሕሰም ጀመረ።

ፍሊስጤማውያን ናቕባ ወይ ህልቂት ኢሎም ዝሰምይዎ 750, 000 ዝኾኑ ፍሊስጤማውያን ናብ ጎሮባብቲ ሃገራት ዝተሰደዱሉን ብወተሃደራት እስራኤል ተሰጎጉሉን ኩነታት ተፈጥረ።

እንተኾነ ኲናት ናይ 1948 ናይ መወዳእታ ኲናትን ዓረብን ኣይሁዳውያንን ኣነበረን።ል ዘይኮነስ ብጸቕጢ ፈረንሳን ዓዲ እንግሊዝን እስራኤል ከምተንሳሕብ ተገበረት።

እቲ ብኲናት ሽዱሽተ መዓልታት ዝፍለጥ ካብ 5 ሰነ ክሳብ 10 ሰነ 1967 ዘተኻየደ ኲናት፡ ዓቢ ጽልዋን ልዕልና ሓደ ኣብ ርእሲ ካልእ'ዩ ፈጢሩ።

ደምዳሚ ዓወት እስራኤል ነቲ ካብ 1948 ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ግብጺ ዝነበረ ወሽመጥ ቓዛን በረኻ ሲናይን ብምቁጽጻር፡ ንምብራቕ ዮሪሳሌም ዝሓቁፍ ምዕራባዊ ገማግም ካብ ዮርዳኖስ ንጎቦታት ጎላን ካኣ ካብ ሶርያ መንዚዓ ኣብ ትሕቲኣ ኣእተወቶ።

ብሰንኪ'ዚ ፍርቂ ሚልዮን ፍሊስጤማውያን ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቐሉ።

ድሕሪ'ዚ ዝስዓበ ኣብ ጥቅምቲ 1973 ዝተኻየደ ኲናት ጥቅምቲ ወይ ዪም ኪፑር ዝፍለጥ ኲናት ግብጽን ሶርያን ተላፊነን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብምኽፋት ንግብጺ ገለ ክፋል ናይ ሲናይ ክትረክብ ኣኸኣላ።

ቓዛን ጎቦታት ጎላንን ግን ኣብ ኢድ እስራኤል ተረፉ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ግብጺ ናይ መጀመርታ ካብ ሃገራት ዓረብ፡ ውዕል ሰላም ምስ እስራኤል ዝፈረመት ሃገር ኮነት። ሃገረ ዮርዳኖስ ካኣ እታ እንኮ ዝሰዓበታ ዓረባዊት ሃገር'ያ።

ገለ ክፋል ናይ ቓዛ ድሕሪ 1994 ናብ ምቁጽጻር ፍሊስጤም ክምለስ እንከሎ ጠንቂ ዝተፈላለዩ ተኸታተልቲ ወተሃደራዊ ጎንጺ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍሊስጤምን ብምዃን ገና ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ 2008, 2009, 2012, 2014 ከምኡ'ውን ኣብዚ ዓመት ካኣ ናይ ቀረባ ዓመታት ኩናት ናይዘን ክልተ ሃገራ ኮይነ ኣለዎ።

2. ሃገረ እስራኤል ንምንታይ'ያ ኣብ ማእከላይ ምብራቐ ተፈጢራ?

ብመሰረት እምነት ኣይሁዳውያን፡ እስራኤል ኣብ መሬት ኣብርሃምን ዘርኡን ብመሰረት መብጽዓ እቶም ሰለስተ ኣቦኣት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝተመስረተት እዮም ዝኣምኑ።

እዚ መሬት ካብ ጥንቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታት ኣስርያናውያን፡ ባቢሎናውያን፡ ፐሪሻውያንን ሞቆዶናውያንን ድሕሪ ምጽንሑ፡ ድሒሩ ናብ ዞባ ጁዳ ዝመስረተ ግዝኣት ሮማ ተሰጋጊሩ።

ህዝቢ ኣይሁድ ናይዚ ዞባ ብዙሕ ግዜ ተቓውሞታት ድሕሪ ምልዓል፡ ኣብ 135 ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ንሕሉፍ ናጽነት ዝጠልቡ ሃገራውያን ኣይሁድ ብምስዓር፡ ሕድርያን ዝብሃል መራሒ ስዒሩ ንዞባታት ሮማዊ ሶርያን ሮማዊ ጁዳን ኣብ ሓደ ብምሕባር ሓደ ዞባ መስረተ፡ ሶርያ - ፍሊስጤም ኢሉ ክኣ ሰመዮ።

ኣብዚ ዝነበረ ኲናት ብብዙሕ ዝቑጸሩ ኣህዛብ ኣይሁድ ብሞትን ብስደትን ከምኡ'ውን ባራዩ ብሙዃን ቁጽሮም ነከየ።

Image copyright BBC Sport

ምስ ምልዕዓል ናይ እስላም ኣብ ሻውዓይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ-ልደተ ክርስቶስ፡ ፍሊስጤም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዓረብ ኣተወት።

ጸኒሓ'ውን ኣብ ትሕቲ መስቀላውያን ዘመትቲ ኣውሮጳውያን ( ኩሩሰይደርስ) ኣብ 1516 ክሳብ ቀዳማይ ኩናት ዓለም ክኣ ኣብ ትሕቲ ዕብላላ ቱርኪ ጸንሐት።

ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ኲናት ዓለም ብውዕል ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ብሪጣንያ ክሳብ 1948 ከምትጽንሕ ተገበረት።

ድሕሪ ብናዚ ኣብ ልዕሊ ኣውሮጳውያን ኣይሁድ ዝወርደ ህልቂት፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ንሃገር ኣይሁዳውያን ኣፍልጦ ናይ ምሃብ መስርሕ ጸቕጢ ብምፍጣሩ ግድነት ኮነ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ መንጎ ዓረብን ጽዮናውያንን ዝተፈጠረ ጸገም ክፈትሖ ስለዘይካኣለ፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ወድብ ሕቡራት ሃገራት ስለዘምረሖ፡ ነቲ ጉዳይ ትምርምር ጉጅለ ተመዘዘት።

መርማሪት ጉጅለ ብዘቕረበቶ ጸብጻብ ኣብ 29 ሕዳር 1947 ንከተማ ዮሪሳሌም ፍሉይ ቅርጺ ብምትሓዝ ነነብሰን ዝኽኣላ ዓረባዊት ሃገርን ኣዩሁዳዊት ሃገርን ንኽምስረታ ዝቐረበ እማመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጽደቖ።

እዚ እማመን ውሳነን ብእስራኤል ተቐባልነት ክረክብ እንከሎ፡ ብዓረብ ግን ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ተግባራዊ ክኸውን ኣይክኣለን።

Image copyright AFP

እንተኾነ ቅድሚ 14 ግንቦት 1948 መዝነት ስልጣን ብሪጣንያ ኣብቲ ዞባ ምብቕዑ፡ ኣብቲ መዝነት ስለጣን ንኣይሁድ ዝውክሉ ኣካላት ናጽነት ሃገረ እስራኤል ብዕሊ ኣዊጆም።

ኣባል ወድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ንምግባር ብዘቕረብዎ ሕቶ ብ83% ( 160 ካብ 192 ) ካብ ኣባላት ተቐባልነት ስለዝረኸበ ሃገረ እስራኤል ወግዓዊት ሃገር ኮነት።

3. ንምንታይ እዮም ክልተ ዶባት ናይ ፍሊስጤም ዘለዉ?

ኣብ 1947 ፍሉይ ኮሚቴ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዓረባዊት ሃገረ ፍሊስጤም "ምዕራብ ጋሊሊ፡ ክፋል ጎቦታት ሳማርያ ንጁዳ፡ ንከተማ ዮሩሳሌምን ገማግም እስዱድ ዘይሕውስ ምስ ግብጺ ዶብ ክህልዋ" ዝብል ውሳነ የሕሊፉ።

እንተኾነ እቲ ምድንጓይ ናይ ዶብ ድሕሪ'ቲ ናይ መጀመርታ ኲናት ኣብ መንጎ ዓረብን እስራኤልን ምክያዱ፡ ኣብ 1949 ስምምዕ ምቁራጽ ቶኽሲ ምኽታሙ'ዩ።

እቲ ክልተ ዶባት ናይ ፍሊስጤም፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም 5970 ትርቢዒት ኪሎሜትር ከምኡ'ውን ወሽመጥ ቓዛ 365 ትርቢዒት ኪሎሜተር ኮይኑ፡ ኣብ መንጎኡ በቲ ዝቐረብ ሸነኹ ክሳብ 40 ኪሎሜተር ኣብ ናሓድሕዱ ራሕቂ ዘለዎ እዩ።

ምዕራባዊ ገማግምን ብመሰረት ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኡ ዝተወሃቦ ኮይኑ፡ ካብ ፈለግ ዮርዳኖስን ምዉት ባሕርን ንምዕራብ ዝርከብ ቦታታት፡ ክሳብ እታ ፍሊስጤማውያንን ኣይሁዳውያንን ከም ርእሰ ከተመኦም ዝሰምይዋ ከተማ ዮሪሳሌም ይዝርጋሕ።

ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ትሕቲ ናይ ፍሊስጤም ሃገራዊ ስልጣን ዝርከብ ኮይኑ፡ ብዓለምለኸ ከም መንግስቲ ዝፍለጥ ምምሕዳር ፋታሕ የመሓድሮ።

ቓዛ በቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ነቲ ኣብ ሞንጎ ፍሊስጤምን እስራኤልን ዝተገበረ ስምምዕ ኣፍልጦ ዘይሃቦ እስላማዊ ናይ ፍሊስጤም ምንቕስቓስ ወይ ሓማስ ዝርከብ ኮይኑ፡ ምስ እስራኤል 51 ኪሎሜትር፡ ምስ ግብጺ 7ኪሎሜትር ከምኡ ክኣ 40 ኪሎሜትር ምስ ማእከላይ ባሕሪ ኣዋሰኒ ዶብ ኣለዎ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ዶባት ማእክላይ ምብራቕ

4. እስራኤላውያንን ፍሊስጤማውያንን ውዕል ሰላም ከቲሞምዶ ይፈልጡ?

ድሕሪ ምምስራት ሃገረ እስራኤልን ምዝንባል ኣሽሓት ፍሊስጤማውያንን ምትእክኻብ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፍሊስጤም ኣብቲ ብግብጽን ዮርዳኖስን ዝምሓደር ቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን ከምኡ ካኣ ኣብ ገለ መዓስከራት ስደተኛታት ክበጋገስ ጀመረ።

ቅድሚ ኲናት ናይ 1967 ምጅማሩ ፋታሕ ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (ፒ ኤል ኦ) ብሙቛም ብሸነኽ ዮርዳኖስን ሊባኖስን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ፈነወ።

Image copyright Getty Images

እዚ መጥቃዕቲ ንኣይሁዳውያን ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ፡ ኢምባሲታትን ስፖርታውያንን ኣካየድዎ።

ድሕሪ ናይ ዓመታት ሓድሕድ ምጥቕቓዕ፡ ብናይ 1993 ስምምዕ ኦስሎ ዝፍለጥ ውዕል ኣብ መንጎ እቲ ያሲር ዓራፋት ዝመርሖ ዝነበረ ፒ ኤል ኦን እስራኤልን ተኸተ።

እዚ ውዕል ውድብ ሓርነት ፍልስጤም ንእስራኤል ኣፍልጦ ሂቡ ካብ ጎንጽን ግብረሽበራዊ ተግባራትን ክቑጠብ፡ እስራኤል ካኣ ብሰላምን ብውሑስ መንገድን ከተንሳሕብ ዘገድድ'ዩ ነይሩ። ሓማስ ግን ነዚ ስምምዕ ኣፍልጦ ኣይሃቦን።

እስራኤል ካብ ምዕራባዊ ገማግምን ቓዛን ኣንሳሒባ ንፍሊስጤም ነብሳ ዝኽኣለት ሃገር ክገብራ ዘኽእል ስምምዕ ግን ክሳብ ሕጂ ተግባራዊ ኣይኮነን።

እንተኾነ ምብራቕ ዮሪሳሌም እታ ቀንዲ ጠንቂ ግርጭት ናይዞም ክልተ ወገናት፡ ኣብቲ ውዕል ኣይተጠቐሰትን።

Image copyright Getty Images

ኣብ 30 መስከረም 2015 ፕረዚደንት ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ፡ ኣብ መበል 70 ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሃገሩ ብውዕል ኦስሎ ከምዘይትቕየድ ብወግዒ ሓቢሩ።

5. . እቶም ቀንዲ ነጥብታት ጠንቂ ግጭት ፍሊስጤማውያንን እስራኤላውያንን እንታይ እዪም?

ምድንጓይ ምምስራት ነብሳ ዝኽኣለት ሃገረ ፍሊስጤም፡ ሓዲሽ ምህናጽ ሰፈራ ኣይሁድ ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን መሬት ፍሊስጤምን፡ ምህናጽ ናይ ጸጥታ ሓጹር ኣብ መሬት ፍሊስጤምን እስራኤልን፡ ከምኡ'ውን ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ሄግ ንኩሉ መንገዲ ሰላም ዓጊቱ ካብ ዝሓዞ'ዩ።

እንተኾነ እዚኦም ጥራይ ኣይኮኑን እቶም ዓንቀጽቲ ሮቋሒታት፡ ዋላ እቲ ኣብ ካምፕ ዴቪድ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ 2000 ብክሊንቶን ኣብ ሞንጎ ያሲር ዓራፋትን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዝነበረ ኢሁድ ባራክን ክግበር ዝተሓስበ'ሞ ዝፈሸለ'ውን ካልእ ተወሳኺ'ዩ።

Image copyright Getty Images

ካልኦት ተወሰኽቲ መጋደድቲ ነጥብታት

• ዮሩሳሌም፡ እስራኤል ኣብዛ ከተማ ናይ ትግብኣኒ'ያ ኣዋጅ ክትእውጅ እንከላ (ቅድስቲ ከተማ ናይ ኣዩሁድ፡ ክሪስትያንን) ዋላ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ኣይትርከብ ካብ 1967 ኣትሒዛ ንምብራቓዊ ሸነኽ ከተማ ዮሩሳሌም ከም ዋና ከተማኣ ክትከውንኣዊጃ። ፍሊስጤማውያን ካኣ ነዚ ምብራቕ ዮሩሳሌም እዮም ርእሰ ከተመኦም ክኸውን ዝደልይዎ።

• ዶባዊ ወሰናስን፡ ፍሊስጤማውያን ዶቦም እቲ ቅድሚ ኣብ 1967 ኲናት ምክያዱ (ኲናት ሽዱሽተ መዓልታት ) ዝነበረ ዶቦም'ዮም ዝደልዩ፡ እስራኤል ክኣ ነዚ ነጺጋቶ'ያ።

• ሰፈራ፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ተቓባልነት ዘይብሎም፡ እስራኤል ድሕሪ ኲናት 1967 ኣብ ምዕራባዊ ገማግምን ምብራቕ ዮሩ7ሳሌምን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኣይሁዳውያን ዝቕመጥሎም ሰፈራታት ኣለዉ።

• ስደተኛታት ፍሊስጤም፡ ካብቶም 10.6 ሚልዮን ዝኾኑ ፍርቆም ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ ኮይኖም፡ እስራኤል እቲ ዝግበኦም ቦታ ሂባ ነዚኦም ናብ ፍሊስጤም ምምላስ፡ ከም ኣዩሁዳዊት ሃገር ንህላዌኣ ኣስጋኢ ስለዝኾነ ኣይትደልዮን'ያ።

6.ፍሊስጤም ሃገር ድያ?

ኣብ 29 ሕዳር 2012 ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ንፍሊስጤም ዘይኣባል ተዓዛቢት ሃገር ክትከውን ኣጽዲቑላ።

እዚ ካኣ ንምሉእ ኣባልነት ንኽትካታዕ ባይታ ከፊቱላ።ዳሕሪኡ ዝስዓበ ነዊሕ ዲፕሎማስታዊ ርክባት ምሉእ ኣባልነት ክህልዋ ዘቕረበቶ ሕቶ ኣብ 2011 ካብ ኣባላት ቤት ምክሪ ጸጥታ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ክፈሽል ክኢሉ።

Image copyright Getty Images

ዋላ ዳኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንፍሊስጤም ኣፍልጦ ኣይሃባ እምበር ኣብ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ 134 ካብ 192 ኣባላት ሃገራት ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ሂበናኣ'የን።

ኣብ መስከረም 2015 ባንዴራ ፍሊስጤም ኣብ ቤትጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትስቀል ደገፈን ሂበን'የን።

7. ንምንታይ'ዩ ፖሊስታት ኣመሪካን እስራኤልን ብኪዳን ዝጸንዐ? ንፍሊስጤምከ መን ይድግፋ?

ኣብ ኣመሪካ ሓያል ጉትጎታ እስራኤላውያን እዩ ዘሎ። እዚ ካኣ ብህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎ ኮይኑ ንሓደ ፕረሲደንት ኣመሪካ ነዚ ሰጊሩ ንእስራኤል ምድጋፉ ከቋርጽ ዓቐብ ይኾኖ።

ኣብ 2013 ቢቢሲ ኣብ 22 ሃገራት ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣመሪካ እታ እንኮ ንእስራኤል ዝመቸአት ሃገር ምኳና የምልከት።

ብተወሳኺ እዘን ክልተ ሃገራት ናይ ወተሃደራዊ ምልፋን ስምምዕ ክህልወን እንከሎ፡ እስራኤል ካብ ኣመሪካ እታ ዝበዝሐ ሓገዝ እትረክብ ሃገር'ያ።

ፍሊስጤም ዝኮነ ክፉት ሓገዝ ዝህባ የለን።

Image copyright Getty Images

ጉጅለ ሓማስ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ምስ ግብጽን ብፍላይ ድማ እቲ ብ'ሙስሊም ብራዘርሁድ' ምትእኽኻብ ጥቡቕ ርክብ ዝነበሮ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሓማስ ንእስላማዊ ንፕረዚደንት መሓመድ ሞርሲ ምስጓጉ ግን ደገፋ ደወ ኣቢላ።

ሶርያ፡ ኢራንን ናይ ሊባኖስ ጉጅለ ሒዝቡላህን ድማ እተን ቀንዲ ደገፍቲ ሓማስ ክኾና እንከለዋ፡ ካልእ ናብ ተግባር ዘይቕየር ምድንጋጽ ዘርእያ ካኣ ኣይተሰኣናን።

8. ነዚ ሕጂ ዘሎ ማዕበላዊ ጎንጺ ዘበጋገሶ እንታይ'ዩ?

ድሕሪ ኣብቲ ዞባ ሰፊኑ ዝነበረ ተዛማዲ ሰላም ሰኑይ 14 ግንቦት 2018 ሞት 58 ሰባትን ምዝንባል ናይ 3000 ዘኸተለ ጎንጺ ተላዒሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ሰናብቲ ኣብቲ 'ዓቢ ጉዕዞ ንምምላስ' ተባሂሉ ዝተሰምየ ናይ ተቓውሞ ምትእኽኻብ 100 ፍሊስጤማውያን ክቅተሉ እንከለዉ ኣሽሓት ብጠያይት እስራኤላውያን ተወጊኦም።

ብሰሉስ ፕረዚደንት ፍሊስጤም ማሕሙድ ዓባስ ንምግዓዝ ኤምባሲ ኣመሪካ ናብ ዮሩሳሌም ኣመልኪቱ ጥርዓኑን ልኡኹን ናብ ዋሽንግተን ሰዲዱ'ሎ።

Image copyright Getty Images

9.ሕጂኸ ኣብ ሓዲሽ ኢንቲፋዳ ዲና ዘለና?

'ኢንቲፋዳ' መሳርያ ዘይሓዙ ፍሊስጤማውያን ቖልዑን መንእሰያትን ዘካይድዎ ቃልሲ'ዩ። እዚ ኢንቲፋዳ ኣብ 1980ታትን ኣብ 2000ትን ዘካየድዎ'ዩ።

እቲ ካብ 2000-2005 ዝተኻየደ እንቲፋዳ ግን ዝያዳ ደማዊ ኮይኑ ከባቢ 3000 ፍሊስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ 1000 ዝኾኑ ካብ እስራኤል ካኣ ብተመሳሳሊ ሂወቶም ስኢኖም።

እዚ ሕጂ ዝልዓዓል ዘሎ በጨቕታ ካኣ ነጸብራቕ ናይ ዝሓለፈ ምንቕስቓስ ኢንቲፋዳ ዝሓዘ እዩ ዝመስል።

Image copyright Getty Images

10.ነባሪ ሰላም ንኽሰፍን እንታይ'ዩ ክግበር ዘለዎ?

ብኣራኣእያ ፍሊስጤማዉያን እስራኤል ምሉእ ደገፍን ኣፍልጦን ንሓማስን ልኡላዊትን ፍሊስጤምን ዝጠልብን ነቲ ኣብ ቓዛ፡ ምዕራባዊ ገማገምን ምብራቕ ዮሩሳሌምን ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ኣንቢራቶ ዘላ ከተልዕል ዝጠልብ'ዩ።

እስራኤላውያን ካኣ ኩሎም ጉጅለታት ፍሊስጤም ኩሉ መዳያዊ ጎንጽን ተጻባኦን ደው ኣቢሎም ንሃገር እስራኤል ኣፍልጦ ክህቡ ይጠልቡ።

እንተኾነ ድሕሪ ናይ 1948 ምምስራት ሃገረ እስራኤል ብዙሓት ነገራት ተቐያይሮም'ዪም፡ ብፍላይ ካኣ ድሕሪ ኵናት ኣብ መንጎ እስራኤልን ዓረብን ካብ ዶባት ጀሚርካ ኣዝዩ ብዙሓት ለውጥታት ተኸሲቶም'ዮም።

Image copyright Getty Images

እስራኤል ኣብ ህሉው ዶባት ዘተ ክትጠልብ እንከላ ፍሊስጤማውያን ካኣ ቕድሚ ኩናት ናይ 1967 ዝነበረ ዶብ ተግባራዊ ክኸወን'ዮም ዝጠልቡ።

እስራኤል ኣብቲ ፍሊስጤም እጀታይ እዩ ትብሎ ንብዙሓት ኣይሁዳውያን ምስፋር ትቕጽል ስለዘላ እቲ ዘገምታዊ ኩናት ምቅጻሉ ኣይክተርፎን'ዩ።

እቲ ዝያዳ ሓላላኺ ግን እቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ከተማ ዮሩሳሌም ኣንቢረነኦ ዘለዋ ተገዳስነት'ዩ - ናይ ዋንነት እምነትን'ዩ።

እዚ ጉዳይ ናይ ዮሩሳሌም ከይተፈትሐ ናብ ደምዳሚ ክልትኣዊ ስምምዕ ክበጽሓ ክሕሰብ ይኸብድ'ዩ።

ግደ ሓቂ ነዚ ነዊሕ ዝቐጸለ ጎንጺ ንምፍታሕ ዝተወሰደ ዓለማዊ ተበግሶ ምስቲ ህልዊ ወጥሪ ናይ'ቲ ዞባ ተመጣጣኒ ኣይኮነን ኢሎም ዝኣምኑ ብዙሓት'ዮም።

ውሑዳት ክኣ መራሒ ፍሊስጤም ማሕሙድ ዓባስን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁን ሕድገታት ጌሮም ናብ ኣገዳሲ ስምምዕ ክበጻሑ'ዮም ኢሎም ዝኣምኑ ኣለዉ።