ኣልጀርያ ንስደተኛታት ናብ ሳሃራ ትሰጉግ

በረኻ Image copyright Getty Images

ትካል ስደተኛታት ዓለም ከምዝሕብሮ ካብ መስከረም ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ምስ ከባቢ 10000 ሰደተኛታት ኣብ ሳሃራ ዝተደርበዩ ከምዝሰርሑ ይሕብሩ።

ገሊኦም ሰባት ብሰምሰርቲ ኣብቲ ቦታ ከምዝተሓደጉን ገሊኦም ከኣ ብሓለፍቲ ኣልጀርያ ናብ ሳሃራ ከምዝተሰጉን ክፍለጥ ተካኢሉ'ሎ።

ብሰንኪ ሓያል ዋዒ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝሞቱ'ውን ይግለጽ።

ሓደ ስደተኛ ናይ ሰሃራ "ንብረትና፣ ገንዘብ፡ ሞባይላት ኩሉ ዝነበረና ወሲዶሞ። ኣብ ምድረበዳ ሳሃራ ደርቢዮምና። ንዶብ ኒጅር ክንበጸሕ ሓያሎ ከሎሜተራት ብእግርና ክንጓዓዝ ተገዲድና። እቲ ጉዕዞ ከም ኣብ ገሃነም ምጉዓዝ'ዩ ነይሩ። ዝጠነሳ ኣንስት ምስ ህፀናት ኣብ ናይ ሳሃራ ጸሐይ ኣድካሚ ጉዕዞ እግሪ ተጓዒዞም። ዝብላዕ ይኩን ዝስተ ኣይነበረናን። ብሰንኪ ናይ ሳሃራ ንፈስን ሐመድን ክልተ ከምዝሞቱ ሰሚዕና" ክብል ተመክሮኡ የዘንቱ።

Image copyright Getty Images

ሓላፊ ወኪል ስደተኛታት ዓለም ኣብ ኒጀር ጂስፕ ሎፐረተ፡ ኣብ ኒጀር ነዚ ጉዳይ ኣቃልቦ ናይ ዓለም ክረክብ ብዙሕ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊፁ።

ሎፐረተ ንቢቢሲ ከምዝሐበሮ፡ ሰብ መዚ ኣልጀርያ "እቲ ውሳነ ኣንጻር ግብረሸበራን ስግኣት ፀጥታንን ዝዓለመ'ዩ" ብምባል ይማጎቱ።

ብተወሳኺ ዝኾነ ሰብ መንነቱ ዘይተፈልጠ ዶብ ሰጊሩ ክኣቱ ኣይንደልን ብምባል ንውሳነኦም ኣትሪሮም ተኸላኺሎም።

እንተኾነ ግን ትካል ስደተኛታት ዓለም ከምዝመልክቶ ገሊኦም ስደተኛታት ኣብ ኣልጀርያ ዝረኸብዎ ወረቐት ስደተኛታት ሒዞም ከምዝጸንሑን፡ ብሓይሊ ናብቲ ሐደገኛ ጉዕዞ ከምዝተገደዱን ተፈሊጡ።