ፕሬዚደንት ትራምፕ ምስ ናይ ሰሜን ኮርያ መራሒ ዝገብሮ ርክብ ዕዉት ክኸውን ኢዩ ኢሉ

ዶንልድ ትራምፕን ጆን ቦልተንን Image copyright EPA

ምስ ኩሉ ናይ ሰሜን ኮርያ ምጉብዕባዕ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ እቲ ኣኼባ ዕዉት ከምዝኸውን ኢዩ ተትስፍዩ።

ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ድማ ከምቲ ናይ ጸጥታ ኣማኻሪኡ፡ ጆን ቦልቶን ዝበሎ ዘይኮነ ኪም ጆንግ-ኡን ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ሃገሩ ከምሓድርን ከማዕብልን ኢዩ ዕላማን ኢሉ።

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሃገሩ እቲ ንሊብያ ካብ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ነጻ ንምግባር ዝተኸተለቶ ``ብቅዲ ሊብያ`` ዝፍለጥ ኣገባብ ኣብ ሰሜን ኮርያ ከምዘይትኽተሎ ኣፍሊጡ። እዚ ድማ ምስቲ ጆን ቦልቶን፡ ኣማኻሪኡ ኣብ ሃገራዊ ጸጥታ ዝበሎ ዝገራጮ ኢዩ።

እቲ ብጆን ቦልቶን ዝተዋህበ መግለጺ፡ ንመንግስቲ ሰሜን ኮርያ ኣዝዩ ስለዘሕረቖም፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ሲንጋፖር ኪግበር ዝተመደበ ርክብ ምስ ፕሬዚደንት ትራምፕ ከምትስሕብ ሃዲዳ።

እንተኾነ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ እቲ ርክብ ክካየድ ከምዝኾነ ኢየ ዝፈልጥ ኢሉ።

ኣብ 2003፡ መራሒ ሊብያ፡ ሙዓመር ጋዳፊ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝተደንገገ እገዳ መታን ክልዓል፡ ኩሉ ኒዩክለራዊ መደባት ደው ከብል ከምዝተሰማምዐ ይዝከር።

እንተኾነ፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት ድማ ብሃገራት ምዕራብ ብዝድገፉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ተቐቲሉ። እዚ ምንጽጻር ሰሜን ኮርያ ምስ ሊብያ`ዩ ድማ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ዘቖጠዐ።

ካብዚ ብምብጋስ ኢያ ድማ ሰሜን ኮርያ ብሮቡዕ [16 ግንቦት] ካብቲ ብ12 ሰነ ኣብ ሲንጋፖር ክካየድ ካብዝተወሰነ ኣኼባ ክትስሕብ ተኽእሎ ከምዘሎ ዘጠንቀቐት።

ፕሬዚደንት ትራምፕ`ክ እንታይ ኢሉ?

``ብዛዕባ ሰሜን ኮርያ ክንሓስብ ኮለና እቲ ኣብ ሊብያ ዝተኸተልናዮ ቅዲ ኣይኮናን እንጥቅም`` ኢሉ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ቅድሚ ጆን ቦልቶን።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ጆን ቦልተን ንፕረዚደንት ትራምፕ ዝጥምተሉ መገዲ ንስምዒታቱ ክገልፅ ይኽእል

እቲ ምስ ኪም ጆንግ-ኡን ዝገብሮ ውዕል ``ኪም ኣብ ስልጣኑ ፡ ኣብ ሃገሩ ክጸንሕን ሃገሩ ከመሓድርን ከማዕብልን`` ጥራይ ኢዩ ዝሓስብ።

ንደቡብ ኮርያ እንተጠሚትኩም፡ እቲ ክንክተሎ እንደሊ ቅዲ ድማ ኢንዱስትሪ ሰሜን ኮርያ ካም ናይ ደቡብ ኮርያ ክኸውን፡ ምኽንያቱ እቶም ህዝቢ ህርኩታትን መስተንክርን ህዝቢ ስለዝኾኑ ኢሉ ትራምፕ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ`ቲ ዝተመደበ ኣኼባ ክዛረብ ከሎ፡ ``ስጋብ ሕጂ ብዛዕባ`ቲ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝግበር ርክብ ዝኾነ ለውጢ የለን፡ ዝተሓበርናዮ ነገር`ውን የለን`` ኢሉ።

``ኣነ ከምዝመስለኒ ዕዉት ኣኼባ ክህልወና ኢዩ፡ እንተዘይኮይኑ`ውን ጸገም የለን`` ኢሉ ትራምፕ።

ሰሜን ኮርያ`ኸ ነቲ ኩነታት ከመይ ትርእዮ?

ብሓሙስ፡ ሰሜን ኮርያ ስጋብ ገለ ሕቶታት ዝፍትሑ ድማ እቲ ምስ ደቡብ ኮርያ ዝፈለመቶ ዝርርብ ከምዘይትቕጽሎ ኣፍሊጣ።

ሰሜን ኮርያ በቲ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካ ዘካይድዎ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣዝያ ከምዝሃረቐትን፡ እቲ ታዕሊም ክም ምድላዋት ንወራር ኢያ ትርእዮ። ከምሳዕቤን ናይዚ ድማ ኣብዚ ሰሙን ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ደቡብ ኮርያ ክትገብሮ ዝተመደበ ርክብ ዝሰረዘቶ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን የካይድኦ ዘለዋ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ንሰሜን ኮርያ ኣቖጢዕዋ'ዩ

እቲ ዝርርብ ብኸመይ ይምዕብል ኣሎ?

ብ27 ሚያዝያ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ንሓውሲ ደሴት ኮርያ ካብ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ናጻ ኪገብሩ ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዕም።

እንተኾነ ናይ ሰሜን ኮርያ ሃገራ ካብ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ነጻ ምግባር ዝብል መብጽዓ ምስቲ ናይ ኣሜሪካ ጠለብ ``ኣጠቓላሊ ርጉጽን ዘይቅየርን`` ምንካይ ኒዩክልርዊ ኣጻዋር ዘይሳነ ክኸውን ናይ ግድን ኢዩ።

ኣብ ጉዳይ ካብ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ናጻ ምዃን ኣብ ዝብል ጉዳይ ሰሜን ኮርያን ኣሜሪካ ፍልልይ ከምዘሎ፡ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ደቡብ ኮርያ፡ ካንግ ክዩንግ-ዋ ንናይ ደቡ ኮርያ ዮንሃፕ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን ሰሜን ኮርያ ካብ 23 ስጋብ 25 ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ እቲ ኣብ ኒዩክለራዊ ኣጽዋራታ ፈተነታት ተካይደሉ ቦታ ከተፍርሶ ከምዝኾነት ገሊጻ ነይራ።