ስዑዲ ዓረብ ኢትዮጵያውያን እሱራት ክትፈትሕ እያ

ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሰልማን ቢን አብዱላዚዝን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ አህመድን Image copyright Getty Images

መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሃገሩ ዘለው ኢትዮጵያውያን እሱራት ንምፍታሕ ቅሩብ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን መንገስቲ ከምዘፍለጦ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲኡ ንዝርከቡ ኢትዯጵያውያን እሱራት ንኽፈትሕ ድልዉነቱ ኣረጋጊፁ'ሎ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብመሰረት ካብ ንጉስ ሰልማን ቢን አብዱላዚዝ ሳውድ ዝቐረበሎም ዕድመ ኣብታ ሃገር ዑደት እናካየዱ'ዮም።

ቅድሚ ሰሙናት ናብ ሱዳንን ኬንያን ኣብ ዝገበርዎ ምብፃሕ፡ ኣብተን ሃገራት ዝርከቡ ኢትዮጵያውን እሱራት ንምፍታሕ ብዝተበፅሐ ምርድዳእ፡ ብዙሓት ከምዝተፈትሑ ይዝከር።

መረዳእታታት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ልዕሊ 100 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ብዘይ ሕጋዊ ፈፍቓድ ይነብሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት