ፕረዝደንታዊ ምርጫ ቬነዝዋላ፡ ኒኮላሰ ማዱሮ ድምጺ ተሰሪቑ'ዩ ኣብ ዝተበሃለሉ ዳግማይ ተዓዊቱ

ኒኮላሰ ማዱሮ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ሲላ ፈሎርሰ ዓወቱ እናጸንበለ Image copyright AFP

ፕረዚደንት ቬነዝዋላ ኒኮላሰ ማዱሮ ንዝመጽእ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ፡ ብተቓወምቲ ዘይሕጋዊ ኣብ ዝተበሃልሉ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ዳግማይ ተዓዊቱ።

ቀንዲ ተወዳዳሪ ተቓዋሚ ሰልፊ ሄንሪ ፋለኮን " ነዚ ዝተኻየደ መስረሕ ምርጫ ኣፍልጦ ኣይንህቦን ኢና፡ ኣብ ቬነዝዋላ ዳግማይ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ክካይድ ኣለዎ" ብምባል፡ ነቲ ውጽኢት ብዕሊ ነጺግዎ'ሎ።

ኣብ'ቲ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ድምጺ ዝተቆጸረሉ ምርጫ፡ ኒኮላሰ ማዱሮ 67.7 ሚእታዊት ከምኡ'ውን ሄንሪ ፋልኮን 21.2 ሚእታዊት ከምዝረኸቡ፡ ሓላፊ ኮሚሽን ፕረዝደንታዊ ምርጫ ቬነዝዋላ ቲቢሳይ ሉሴና ኣፍሊጣ።

ቬነዝዋላ፡ ብሕጸረት ቀረብ መግብን ቁጠባዊ ቅልውላውን ኣብ ትሕመሰሉ ዘላ እዋን ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ ምርጫ፡ ካብ'ቶም ከድምጹ ዝተመዝገቡ 46 ሚእታዊት ጥራይ ከምዘድመጹ መዛግብ ኮሚሽን ፕረዝደንታዊ ምርጫ ቬነዝዋላ ይሕብሩ።

ረ መሲ ውጽኢት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ቬነዝዋላ

Image copyright Reuters

ፕረዚደንት ቬነዝዋላ ኒኮላሰ ማዱሮ ነቶም ኣብ ካራካሰ፡ ኣብ ቅደሚ መንበሪ ፕረዚደንት ተኣኪቦም ዝነበሩ ደገፈቱ " ኣትሒቶም ርእዮሙኒ" ክብል ናብ ተቃወምቱ መልእኽቱ ከመሓላልፍ እንክሎ፡ ቀንዲ ተወዳዳርን ተቓዋምን ሄንሪ ፋልኮን ብወገኑ፡ ዋላ እኳ ሰብ መዚ ቬነዝዋላ እዚ ምርጫ ናጻን ፍትሓውን'ዩ ይበልዎ፡ እሱን ስዓብቱን ግን ከምዘይቅበልዎ ኣፈሊጡ'ሎ፡ መብዛትኦም ተቃወምቲ ሰልፍታት ምስ ሓሳብ ሄንሪ ፋልኮን ብምስምማዕ ነቲ ውጽኢት ነጺጎሞ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኣመሪካን ምምሕዳሩን ነዚ ውጽኢት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ቬነዝዋላ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ክሕብር እንክሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ማሕበር ሃገራት ዓለም ኣብ ቲዊተሩ " ጸርፊ ንዲሞክራሲ" ክብል ኣስፊሩ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት