መቕርብ ግዳያት ባርዕ ግሬንፍል ታወር ንህዝባዊ ኣጻራይ ኣካል ቃሎም ክህቡ'ዮም

ግሬንፍል ታወር
ናይ ምስሊ መግለጺ ኬራን ሚቸል " እዚ ኣሰንባዲ ክስተት ሂወት በዙሓት ኣጥፊኡ'ዩ"

ኣብ ባርዕ ግሬንፍል መቕርቦምን ፈተውቶምን ዝስኣኑ ግዳያት፡ ኣብ'ቲ ድሒሩ ዝጀመረ ህዝባዊ ኣጻራዪ ኣካል ቃሎም ንኽህቡ ዕድል ክህልዎም'ዩ።

እዚ ዝኽረ- ምስማዕ፡ ክሳብ ክልተ ሰሙን ክቕጽል ትጽቢት ዝግበረሉ ኮይኑ፡ ሓደ ሰብ ብዘይ ገለ ገደብ ስምዒቱ ንምግላጽ ዕድል ክወሃቦ'ዩ።

እዚ ህዝባዊ ናይ ምጽራይ ኣካል ካብ 14 ሰነ 2017 ጀሚሩ ኣብ ሆሰፒታል ክእለ ዝጸንሐሞ ኣብ ጥሪ ንዝሞት ግዳይ ሓዊሱ ንሞት 72 ሰባት ከጻሪ'ዩ።

ኣስማት ኩሎም ግዳያት ባርዕ ግሬንፍል ኣብ'ቲ ኣብ ምዕራብ ሎንዶን ዝርከብ፡ ሚሎንዮም ግሎስተር ሆቴል ክዝርዘር'ዩ።

ኩሎም መቕርብን ፈተውትን ግዳያት ግበረ መልሲ ክህቡ ትጽቢት ከምዘይግበርን ይግመት፡ እንተኾነ፤ ብዙሓት ቃሎምን ናይ ዝፈትዎም ቪድዮታት ክህቡ ብህዝባዊ ምጽራይ ትጽቢት ይገብር።

ትኹረት ቀዳማይ ዕማም ኣካል ህዝባዊ ምጽራዪ፡ እቲ ባርዕ ኣበይን ከመይን ጀሚሩ ኣብ ዝብል ክኸውን'ዩ።

ንሰለስተ ግዳያት ዝውክል፡ ኬራን ሚቸል" ምጅማር መስርሕ ምጽራይ፡ መባእታዊ ኮይኑ፤ መሰረታዊ ኣጀማምራን ሓፈሻዊ ኣፍልጦን ናይ'ቲ ሂወት በዙሓት ዘጠፍአ ኣሰንባዲ ክስተት ክህልወና ክገብር'ዩ " ይብል።

ኬራን ሚቸል ኣስዒቡ "ኣብ መወዳእታ መቕርቦምን ፈተውቶምን ዝስኣኑ ፍትሒ'ዩ ዘድልዮም፡ ክሳብ ተሓተትቲ እዚ ጉዳይ ናብ ሕቶ ዝቕርቡ ክኣ ኣይክንድቅስን ኢና " ይብል።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት