መጠንቀቕታ ኣብይ ኣሕመድ ክሳብ ክንደይ ግብራዊ'ዩ?

በዓል መዚ ጉምሩክ ሓላፊ ሕጊ ኣይተ ዮውሃንስ ወልደገብርኤል

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ባንክታት ሃገራት ወፃኢ፡ ገንዘብ ዘለዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ምርመራ ይካየድ ከምዘሎ ብምግላፅ ኣጠንቂቑ'ዩ። ውፅኢት እቲ ምርመራ ድማ ኣብ ከይዲ ዕላዊ ከምዝኸውን ሓቢሩ።

ቅድም ክብል ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ሃብቶም ንምምዝጋብ ዘኽእል ምንቅስቓሳት እኳ እንተነበሩ፡ ሎሚ እዚ ጉዳይ ኣበይ በፅሐ ዝብል ሕቶ፡ ናይ ብዙሓት ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ሕቶ እዝን እዋናዊ መጠንቀቕታ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይን፡ ክንደየናይ መሰረት ዘለዎ እዩ?

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበረ በዓል መዚ ጉምሩክ ሓላፊ ሕጊ ኣይተ ዮውሃንስ ወልደገብርኤል፡ ዝነበሩ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ዳይሬክተር ግልግል ዳይነት ዘፈር ንግድን ማሕበራትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፡ ብኸመይ ንሰበ-ስልጣን ተሓተትቲ ምግባር ይከኣል ክንብል ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

ምዝገባ ሃፍቲ ሰበ-ስልጣን ኣበይ በፅ?

ሰበ-ስልጣን ብሽሞምን ሽም ስድርኦምን ኣለና ዝበልዎ ሃፍቲ ከምዘመዝገቡ እፈልጥ እየ። መብዛሕትኦም ነዚ ዝገበሩ፡ ተገዲዶም እዮም።

እቲ ምዝገባ ድሕሪ ምክያዶም፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር መለስ ዜናዊ፡ ሓበሬታ ብምሓዝ፡ ሓሓሊፎም ንሰበ-ስልጣን የፈራርሕሉ ከምዝነበሩ እፈልጥ።

ኣብዚ ናይ ሕዚ መስርሕ'ውን ቕድም ኢሎም ዝተኸሰሱ ኣብ ስልጣን ዝርከብዎም ኮሚሽነራትን ሚኒስትርን ኣለዉ'ዮም።

እቲ ምዝገባ ክንደየናይ ሓቅነት ኔርዎ?

ኣብ'ዚ ከይዲ ምዝገባ ክህልዎም ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ሃብቲ ሒዞም ዝተረኸቡ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ኣብ ዝተፈጠረሉ ግዘ ድማ ዝተኸሰሱ ሰበ-ስልጣን ነይሮም።

እቲ ሽዑ ዝተኣከበ ሓበሬታ ምዝገባ ሃብቲ ሰበ-ስልጣን ድማ ንህዝቢ ወግዓዊ ክኸዉን እናተገብኦ ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከይተተግበረ ተሪፉ'ዩ።

ኣብዚ እዋን ክሳብ ሓሙሽተ ሚልየን ብር ዝግመት ሃብቲ ኣመዝጊቦም፡ ክንድዚ ዝኣክል ሃፍቲ ከመይ ክረኽቡ ከምዝኸኣሉ እንትሕተቱ፡ ብመንግስቲ ወይ ድማ ብኮሚሽን'ዩ ተኸፊሉና ዝበሉን ዝተኸሰሱን ሰበ-ስልጣናት እፈልጥ እየ።

እዚ መጠንቀቕታ ክንደየናይ መሰረት ኣለዎ?

ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ (ዶክተር) ኣባልን መስራትን ኤጀንሲ መረብ መረዳእታ ድሕንነት ስለዝነበረ፡ እቲ ኣመሓላሊፉዎ ዘሎ መጠንቀቕታ ግብራዊ'ዩ ኢለ ይኣምን።

ብመሰረት ዓለም ለኸ ስምምዕ ፀረ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ዝውውር፡ ሓደ ሰብ ኣብ ካልእ ሃገር ገንዘብ እንተቕምጥን ዘጠራጥሩ ነገራት እንትህልዉን፡ ዝምልከተን ሃገራት፡ ሓበሬታ ባንኪ ክለዋወጣሉ ዘኽእል ስርዓት ኣለወን።

ዘረባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ድማ ብመንፅር እዚ እየ ዝምልከቶ።

ግብራዊ ኸ ይኸዉን'ዶ?

እዚ ተግባራዊ ገይርኻ ስጉምቲ ንምውሳድ፡ ብዋናነት ሰናይ ፍቓድ መንግስቲ የድሊ። እቲ ዓብይ ስግኣተይ ግና፡ እዚ ሓላፍነት ንመንን ንኣየናይ ትካልን እዩ ዝወሃብ? ዝብል እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ትካል ፀረ-ግዕዝይና ዓቕሚ ዘይብሉን ኣብ ግዕዝይና ጥሒሉ፡ መወዳእትኡ ውድቀት ኮይኑን'ዩ።

ቐጺሉ እዚ ሓላፍነት ንሚኒስትር ፍትሕን ፌደራል ፖሊስን ተዋሂቡ። ፖሊስ ፌደራል ብግዕዝይና ኣብ ባንኪ ሃገራት ወፃኢ ዝተቐመጠ ገንዘብ ከምዘሎ መረዳእታ'ኳ እንተቐረበሉ፡ ኣብቲ ሓበሬታ ተደሪኹ ክንዲ እቲ ዝድለ ክንቀሳቕስ ዝኽእል ዓቕሚ ኣለዎ ኢለ ግና ኣይኣምንን።

ናይ ቅድም ሚኒስትር ፍትሒ ናይ ሎሚ ሓፈሻዊ ዓቃቢ ሕጊ፡ ናይ ሕዚ መጠንቀቕታ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ዝትግብር ዓቕሚ ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን።

ሕዚ ዝተሾሙ ሓደሽቲ ሰበ-ስልጣናት እውን ተስፋ ዝህቡ ኮይኖም ኣይረኣየንን።

ብሓፈሻ ክያዶታት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር'ኳ እንተነኣድኩ፡ ነዚ ሓላፍነት ክወስዱ ዝግበኦም ትካላት፡ ዓቕሚ ዘይብሎም (ትሕቲ ዓቕሚ) ምዃኖም ግና ነዚ ጉዳይ ዘሕዝን ይገብሮ።