ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ከቢድ ማዕቐብ ክተንብር ተሓንያ

ሚኒስርት ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ Image copyright EPA

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣሜሪካ "ኣብ ታሪኽ እቲ ዝበርተዐ ማዕቐብ" ኣብ ልዕሊ ኢራን ከምእተንብር ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትር ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኢራን ቑጠብኣ ጠጠዉ ኢሉ ክኸይድ ክትገብር እትፍተነሉ" ማዕቐብ ክድንገጋ'ዩ ክብል ገሊጹ።

ኣብ ቀጻሊ'ዉን ምስ ፔንታጎንን ዞባዊ መሓዙትን ኣሜሪካ ሓቢራ ክትሰርሕ እያ ከም መግለጺ ፖምፒዮ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2015 ኢራን ምስ ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም በጺሓቶ ካብ ዝነበረት ስምምዕ ኒኩለር ኣሜሪካ ክትወጽእ ገይሩ'ዩ።

ኢራን እንታይ ትጽበ?

ኢራን ድሕሪ ኣብ 2015 ዝበጽሐቶ ስምምዕ ኒኩለር፡ ብኣሜሪካ ተነቢሮም ዝጸንሑ ማዕቐባት ተላዒሉም'ኳ እንተነበሩ፡ ሕዚ ግና ዳግም ክድንገጉ'ዩም።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢራን "ተራእዩ ዘይፈልጥ ፋይናንሳዊ ጸቕጢ" ዘሕድር ማዕቀብ ከምዝኸዉን ፖምፒዮ ተዛሪቡ ኣሎ።

Image copyright AFP

ቅድም ኢሎም ኣሜሪካ ኣንጻር ኢራን ኣንቢራቶም ዝጸንሐት ማዕቀባት፡ ንህዝቢ ኢራን ክረብሑ ይኽእሉ'ዮም ዝተብሃሉ ሰደድን ኣታዉን ምህርታት ሕርሻን ኣፋዉስን ሓዊሱ ኩሎም ንግዳዊ ርክባት ዝኽልክሉ'ዮም ነይሮም።

ማይክ ፖምፒዮ፡ "ዝርዝር እቶም ሕዚ ክቕመጡ'ዮም ተባሂሎም ዘለዉ ማዕቐባት እንተዘይገለጸ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእኸላይ ባንኪ ኢራን ዝተነበረ ማዕቐብ ጅማሮ እቶም ብኣሜሪካ ዝቕጽሉ ማዕቀባት'ዩ" ኢሉ'ዩ።

ኢራን ድሕሪ እቲ ባእታ ኒኩለር ምፍራይ ጠጠዉ ንምባል ምስተን ሓያላት ሃገራት በጺሓቶ ዝነበረት ስምምዕ ንግዳዊ ምሕዝነት ንምፍጣር ዝተጓየዩ ዓበይቲ ኩባኒያታት ኣዉሮጳ፡ ሕዚ ኣብታ ሃገር መዋእለ ንዋይ ምዉፋር'ዶ ወይስ ንግዳዊ ርክብ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ዝብል ሰንፈላል ጥሒሎም ኣለዉ።

ገለ ካብቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ስምምዓት

  • ዓብዪ ኩባኒያ ነዳዲ ፈረንሳይ ቶታል፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መፍረዪ ነዳዲ ንምምዕባል ምስ ኢራን ዝፈረሞ ስምምዕ፡
  • ኩባኒያ ኖርወይ ሳጋ፡ ካብ ጸሓይ ጸዓት ንምፍራይ ዝኣተዎ ስምምዕ 3 ቢሊዮን ዶላር
  • ስምምዕ ኤር ባስ፡ መሸጣ 100 ነፈርቲ ዉግእ

ኢራን ካብ ሞንጎ ዝዓበያ መፍረይቲ ነዳዲ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ በብዓመቱ ብቢሊዮን ዶላራት ዝግመት ፍርያት ነዳዲ ሰደድ ትገብር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት