ወተሃደራት ሶርያ ንከተማ ደማስቆ ሙሉእ ብሙሉእ ትቖጻጺሮማ

ብኲናት ዝዓነወ ደቡባዊ ዞባ ዶማስቆስ Image copyright AFP

ወተሃደራት ሶርያ ኣብ ዉሽጢ ሽዱሽተ ዓመት ንፈለማ እዋን ኣብ ዙርያ ርእሰ ከተማ ደማስቆስ ዝርከባ ከባቢታት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተቖጻጸሩ ወግዓዊ ገይሮም።

ወሃቢ ቃል ጀነራል ዓሊ ሜያሆብ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ "ደማስቆን ከባቢኣን ሕጂ ሙሉእ ብሙሉእ ናጻ ወጺኤን" ኢሉ።

እዚ ድሕሪ ዕጡቓት ዳዕሽ፡ ካብ መዕቖቢ ስደተኛታት ፍልስጤም ያርሙክን ዞባ ሃጃር ኣል-ኣስዋድን ተጸራሪጎም ምዉጽኦም'ዩ።

ገለ ዕጡቓት ጅሃዲስት ናብ ምብራቓዊ ሶርያ ብኣዉቶብስ ከምዝተወስዱ ተገሊጹ ኣሎ።

ኲናት ሶርያ ኣንጻር ፕረዚደንት በሽር ኣልዓሳድ ኣብ 2011 ከምዝጀመረ ዝፍለጥ'ዩ።

Image copyright AFP

ድሕሪ ሓደ ዓመት መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ደማስቆ ዝነበሮ ሓይሊ ምቁጽጻር እናስኣነ መጺኡ።

ብሰነኪ እዚ ኲናት ከባቢ 350 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 11 ሚሊዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።