ኣብ ኩባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት 111 ሰባት ሞይቶም

ኣደ ግረተል ላንድሮቭ፡ ኣምፓሮ ፡ ኣብ ኣፍደገ ሆስፒታል ንቢቢሲ ቃላ እናሃበት Image copyright AFP/Getty

ኣብዚ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ነፋሪት፡ ዝኸፍአ ተባሂሉ ዝንገረሉ ዘሎ ህሞት ድሒና ዝነበረት ጓል 23 ዓመት መንእሰይ ብሰኑይ ድሕሪ ምሟታ ቁጽሪ በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ናብ 111 ክብ ኢሉ።

እታ ጓል 23 ዓመት ግረተል ላንድሮቭ ናይ ፍላሜንኮ ሳዕሳዒትን ተመሃሪት ምህንድስናን'ያ ነይራ።

በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን መክሲኮ ድማ እቲ ነታ ነፋሪት ዝውንን ትካል ስርሑ ደው ከብል ኣዚዙ'ሎ።

እቲ ኤይሮሊኒያስ ዳሞዥ ዝተባህለ ትካል ኣብ ትሕቲ መርመራ ከምዘሎ'ውን ሰበ-ስልጣን'ቲ ትካል ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።

እቲ መካረይ ትካል፡ እታ ነፋሪት ብመንግስቲ ኩባ ንዝውነን መንገዲ ኣየር ኩባና ደ ኣቫሺዮን'ዩ ኣካርይዋ ነይሩ።

ኣዲኣ ንላንድሮቭስ ኣምፓሮ ፎንት ጓላ ተቓላሲት ከምዝነበረት ንቢቢሲ ሓቢራ። እንተኾነ ግን ነዊሕ ከይጸንሐ ሞት ናይ ጓላ ተቓሊሑ።

ላንድሮቭ ካብ'ቶም ካብ'ቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰለስተ ሰባት ሓንቲ'ያ ነይራ። እቶም ክልተ ዝደሓኑ ሰባት ደቂ 19ን 39 ዓመት መይለን ዲያዝን ኤሚሊ ሳንቸዝን'ውን ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ይርከቡ ኣለው።

እታ ነፋሪት ኣብ 1979 ከምዝተሰርሐት ይንገር። ሓደ መራሕ ነፋሪት ነበር ከምዝበሎ እታ ነፋሪት ሓደ እዋን ካብ ራዳር ተኸዊላ ከምዝነበረት ክገልጽ እንከሎ፡ ሓደ ካልእ ድማ ኩነታት ጽገና'ታ ነፋሪት ሕማቕ'ዩ ነይሩ ኢሉ።

በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ሜክሲኮ ድማ፡ እታ ሜክሲካዊት ትካል ሕጊ ተኸቲላ ትሰርሕ ምንባራን ዘይምንባራን ንምፍላጥ ዝሕግዞ ሓበሬታ ክእክብ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

እቲ መንገዲ ኣየር ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2010 ኣብ ፕወርቶ ቫላርታ ብዘጋጠመ ሓደጋን ኣብ 2013 ብሓደ መራሕ ነፋሪት ዝቐረበ ጥርዓንን ምኽንያት ኣብ ትሕቲ መርመራ ኣትዩ ከምዝነበረ ገሊጹ።

ሓላፊ ሲቪል ኣቬሽን ጉያና ካፕቴን ኤግበርት ፊልድ ንኣሶሺይትድ ፕረስ ከምዝሓበሮ ፡ እታ ዝወደቐት ነፋሪት ዓሚ ኣትሒዛ ኣብ ክሊ ኣየር ጉያና ከይትበርር ተኣጊዳ ከምዝነበረት ገሊጹ።

እዚ እገዳ'ዚ ዝተወስደ ድማ መራሕቲ'ታ ነፋሪት ኣብ ኩባ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ኣቑሑ ይጽዕንዋ ብምንባሮም'ዩ።

Image copyright AFP

ሓደ እዋን፡ ሰበ-ስልጣን ጉያና ባልጃታት ኣብ ዓይኒ-ምድሪ ናይታ ነፋሪት ተኸዚኖም ከምዝረኸቡ ይሕብሩ።

እታ ነፋሪት ናይ ውሽጢ ሃገር በረራ ንምግባር ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ሃቫና ክትብገስ እንከላ'ያ ወዲቓ።

ኩሎም ሰራሕተኛታት'ታ ነፋሪት ዜጋታት መክሲኮ ክኾኑ እንከለዉ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ተጓዓዝቲ ድማ ኩባውያን'ዮም ነይሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት