ትራምፕ ምስ ኪም ጆንግ ኣን ዘካይዶ ኣኼባ ክዝንግዕ ከምዝኽእል ተዛሪቡ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን፤ መረዓሒ ደቡብ ኮርያ ሙን ጃ ኢንን Image copyright Reuters

ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ መራሕቲ ሃገራት ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ከራክብ ተሓሲቡ ዝነበረ ታሪኻዊ ዋዕላ ከይካየድ ዝገብር ሰፊሕ ዕድል ኣሎ ክብል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።

እቲ ኣኼባ ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዘ ገደብ ንክካየድ ሰሜን ኮርያ ክተማልኦም ዝግብኡ ረቛሒታት ኣለዉ፡ እንተዘይኮይኑ ግና ድሒሩ ክካየድ ክኸዉን'ዩ ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጃ-ኢን ድሕሪ ምርኻቡ'ዩ።

ሰሜን ኮርያ ብወገና ጉዳይ ኣጽዋር ኒኩለር ኣሜሪካ ንብሕታ ክትኽምብቶ ትሓስብ እንተድኣ ሃሊያ እቲ ኣኼባ ክስርዞ እየ ክትብል ምላሽ ሂባ ኣላ።

ኣሜሪካ ሰሜን ኮርያ ክተማልኦም ኣለዋ ብዛዕባ እትብሎም ዘላ ረቛሂታት ትራምፕ ዝበሎ ነገር'ኳ እንተዘይሃለወ፡ "ኣጽዋር ኒኩለር ምዉጋድ" ግና ተግባራዊ ክኸዉን ይግባእ ኢሉ'ዩ።

መራሕቲ ሃገራት ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን 12 ሰነ ኣብ ሲንጋፖር ክራኸቡ መርሃ ግብሪ ተታሒዙ ከምዝነበረ ዝዝከር"ዩ።

ተወሳኺ ዛንታ