መራሒ ደቡብ ኮርያን ትራምፕን ምስ ኪም ብዛዕባ ዝግበር ርክብ ክዝትዩ እዮም

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ደቡብ ኮርያ ሙን ጄ-ኢን ኣብ ዋሽንግተን Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ መራሒ ደቡብ ኮርያ ሙን ጄ-ኢን ንኣመሪካ ከህድእ ክፍትን እዩ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ደቡብ ኮርያ ሙን ጄ-ኢን ኣብ ዋሽንግተን ተራኺቦም ክዝትዩ እዮም። እቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሰሜን ኮርያን ክካየድ ትልሚ ዝተትሓዘሉ ርክብ ክፍፀም ድዩ ኣይፍፀምን ዝብል ጥርጣረ ኣብ ዘንፀላለወሉ እዋን እዩ እዚ ዘተ ይግበር ዘሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን፤ ኣመሪካ እንተደኣ ሰሜን ኮርያ ጥራሕ ኣፅዋር ኒዩክሌር ክትርሕርሕ ትጠልብ ኮይና ሰሜን ኮርያ ነቲ ትልሚ ዝተትሓዘሉ ርክብ ክትስርዝ ከምትኽእል ኣፍሊጣ እያ።

እቲ ልዝብ መታን በቲ ዝተትሓዘሉ ትልሚ ክካየድ መራሒ ደቡብ ኮርያ ሙን ጄ-ኢን ንኣመሪካ ከህድእ ከምዝፍትን ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

ሓደ ካብ ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ "ንፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ኪም ትፅቢት ክገብሮ ዝግበኦን ዘይግበኦን ክነግሮ ይኸውን እዩ" ምባሉ ዮንሃፕ ዝተብሃለ ወኪል ዜና ፀብፂቡ።

እቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሰሜን ኮርያን ዝግበር ታሪኻዊ ርክብ ኣብ ሲንጋፖር 12 ሰነ እዩ ክካየድ።

ሰሜን ኮርያ እንታይ ኢላ?

ርክብ ኣመሪካን ሰሜን ኮርያን ክካየድ ድዩ ኣይካየድን ዝብል ምጥርጣር ዘንፀላለዎ፤ ዝሓለፈ ረቡዕ ሰሜን ኮርያ ምስ ደቡብ ኮርያ ክተካይዶ ዝነበረት ርክብ ላዕለዎት ሰብመዚ ምስሰረዘት እዩ ነይሩ። ነዚ ዝገበረት ድማ ደቡብ ኮርያ ምስ ኣመሪካ ክልተኣዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ብምግባራ ስለዝተቖጠዐት ምዃኑ ገሊፃ።

ሰሜን ኮርያ ነቲ ወተሃደራዊ ልምምድ "ነገር ምድላይ" ከምኡ ድማ ንወረራ ዝግበር ምድላው እዩ ክትብል ገሊፃቶ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጆን ቦልተን "ብሸለልትነት" ሰሜን ኮርያ ነቲ ሊቢያ ኣፅዋር ኑዩክሌር ክትፈትሕ ዝተገበረሉ መገዲ ክትስዕብ ትኽእል እያ ድሕሪ ምባሉ ሰሜን ኮርያ ንኣመሪካ ብሓያሎ ነቒፋ።

ነበር መራሒ ሊቢያ ሙኣመር ጋዳፊ ኣብ 2003 እዩ ኣፅዋር ኒዩክሌር ክፈትሕ ተሰማሚዑ። ደሓር ድማ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝድገፉ ዓመፅቲ ቀቲሎምዎ።

ኣመሪካ ኸ እንታይ ምላሽ ሂባ?

ትራምፕ ፅንሕ ኢሉ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ነቲ ናይ "ሊቢያ መገዲ" ንምትግባር ከምዘይትሰርሕ ኣብሪሁ።