ሊቀ-ጳጳሳት ፈሊፕ ዊልስን ንገበን ጾታዊ ዓመጻት ብምሽፋኑ'ዩ ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ'ዩ

ሊቀ-ጳጳሳት ፈሊፕ ዊልስን ጋዜጤኛታት ዓጊጎሞ ካብ ቤት ፍርዲ እናወጸ Image copyright EPA

ኣውስትራልያዊ ሊቀ-ጳጳሳት፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ንዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጻት ብምሕብኡ ካብ መዝነቱ ክወርድ'ዩ።

ሊቀ-ጳጳሳት ደቡብ ኣውስትራልያ ኣደላይደ ፈሊፕ ዊልስን፡ ንሱ ነቲ ብሓደ ካህን ኣብ ፒዲዮፊለኛ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ እናፈለጠ ብምሽፋኑ'ዩ ኣብ'ቲ ብስሉስ ዝተኻየደ መጋባእያ ገበነኛ ተባሂሉ።

ፈሊፕ ዊልስን ብኸም'ዚ ጉዳይ ዝተኽሰሰ ፈላሚ ላዕለዋይ መራሒ ካቶሎኽ'ዩ ኣብ ዝመጽእ ዓርቢ ድማ ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ'ዩ።

ንሱ ኣብ'ቲ ብረቡዕ ዝሃቦ መግለጺ "ኣገዳሲ እንተኾይኑ'ውን ካብ ጵጵስና መዝነተይ ክወርድ'የ" ኢሉ።

እንተኾነ ነቲ ከሳብ ክልተ ዓመት ከእስሮ ዝኽእል ብቤት ፍርዲ ኒወካስል ዝተወሰነሉ ፍረዲ ይግባይ ክበል ደዩ ኣይክብልን ግን ኣይሓበረን።

ፈሊፕ ዊልስን ነቲ ብ70ታት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ደቂ ተባዕትዮ ቆራቦ ብሓደ ቀሺ ኣብ ዝፈጸም ዝነበረ ዖታዊ ዓመጽ እናፈለጠ ናብ ፖሊስ ብዘይምሕባሩ'ዩ ገበንኛ ኾይኑ ተረኺቡ።

ኣብ'ቲ እዋን፡ ንሊቀ-ጳጳሳት ፈሊፕ ዊልስን ሓብሬታ ዓመጽ ካብ ህጻናት ግዳያት ይበጽሖ'ኳ እንተነበረ፡ ንኽበሪ እቲ ቤተክርስትያን ክብል ንጥርዓኖም ከምዝዳጎኖ ዳኛ ቤት ፍርዲ ኒወካስል ሓቢሩ።

ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኣውስትራሊያ፡ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ናእድኦም ብምግላጽ፤ እዚ ንኣብያተክርስትያናት ኣብ ዝፍጸሙ ገበናት ሓጋዊ ተሓታት ከምዝህልወን ዝገብር ብምዃኑ ክድፍኣሉ ይግባእ ኢሎም ።