ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽምብል በዓል ናጽነት ቃል ኣስሚዑ

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መበል 27 ጽንብል በዓል ናጽነት ኤርትራ Image copyright Eri-TV

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንሕክምና ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝገሸ ክውረ እኳ እንተቐነየ፡ ሎሚ ኣብ ጽንብል 27 ዓመት ናጽነት መደረ ኣስሚዑ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ክናፈስ ዝቐነየ ወረ "ፍጹም ሓሶት እዩ " ክብል መልሲ ሂብሉ ኔሩ። መደረ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘይፍለ ኮይኑ፡ ንቑጠባን ፖለቲካን ሃገሩ ካብ "ሽርሒ" ምዕራባውያን ምክልኻል ዘተኮረ እዩ ነይሩ።

ንሱ ብተወሳኺ ብዛዕባ "እዚ ሎሚ ብዓለም ደረጃን ኣብ ዞባናን ክርበጽ ንርእዮ ዘለና ምዕባለታት ንመጻኢ ጉዕዞና ኣመታት ስለዝህልዎዎ፡ ብዕቱብ ክንከታተሎን ክንርድኦን "ብምባል ነቲ ኣብቲ ዞባ ዝምዕብል ዘሎ ምትፍናን ተንኪፉ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጎረቤታ ሱዳንን ተኸሲቱ ንዘሎ ምስሕሓብ ዘእንፍት ክኸዉን ከምዝኽእል ይግለጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ጎረባብቱ ሃገራት ብዶባት ተሰሓሒቡ ኣብ ኩናት ብምእታዉ ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎ ኣጋጢሙዎ እዩ። እቲ ስርዓት፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተደጋጋሚ ወቐሳን ክስን እኳ እንተጋጠሞ ንዕኡ እውን "ምዕራባዊ ሽርሒ'ዩ" ብምባል እዩ ዝነጽጎ።

ፕረሲደንት ኢሳይያስ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ን27 ዓመታት ነታ ሃገር ይመርሓ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት