ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ፡ ሃገራዊ መዝሙር እናተዘመረ ምስዘብሩኹ ንጋንታታቶም ክቐጽዕ'ዩ

ጋንታ ሳንፍራንሲስኮ 49 እሊ ሃሮለደ ( 58)፡ ኮሊን ካኢፖረኒከ (7) ኤሪክ ረይደ (35) ኣብ እዋን ሃገራዊ መዝሙር ኣመሪካ ኣብሪኾም እንከለዉ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ተቃውሞ ብሳንፍራንሲስኮ 49 እዩ ጀሚሩ

ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ( NFL ) ተጻወትቲ ሃገራዊ መዝሙር ኣመሪካ እናተዘመረ ምስዘብሩኹ ዝቐጽዕ ፖሊሲ ኣውጺኡ።

ሃገራዊ መዝሙር እናተዘመረ ደው ክብሉ ዘይደለዩ ተጻወትቲ፡ እቲ መዝሙር ከሳብ ዝውዳእ ኣብ ዕጹው ገዛ ከጸንሑ ከምዝኽእሉ እቲ ፌደሬሽን ሓቢሩ።

"ንባንዴራን ሃገራዊ መዝሙርን ክብሪ ንዘይብሎም ተጻወትትን ኣካየድቲ ጋንታታትን ተመጣጣኒ መቕጻዕቲ ምውሳድ ግቡእ'ዩ" ይብል።​

ተጻወተቲ ብወገኖም፡ እዚ ዝገበርና ኣረሜናዊ ተገባር ፖሊስ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ኣመሪካውያን ንምቕዋም ኢና ይብሉ።

ኮሚሽነር ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ሮጀር ጉድአል "ኣብ ሜዳ ተቓውሞኻ ከተስምዕ ምፍታን ኣብቶም ሃገራዊ ግዳሰ ዘይብሎም ተጻወትቲ ዘሕደሮ ኣሉታዊ ርድኢት ዓቢ'ዩ" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ "እቲ ጉዳይ እዚ ኣይኮንነ እዚ'ውን ኣይነበረን፡ ስለዚ ተጻወትትን ኣካየድቲ ጋንታታትን ንባንዴራን ንሃገራዊ መዝሙርን ክብሪ ሂቦም ኣብ እዋን ሃገራዊ መዝሙር ደው ክበሉ ኣለዎም" ይብል እቲ ኮሚሽነር።