ኡናይ ኢመሪ ፡ "ኣርሴናል ካብተን ዝበለጻ ጋነታታት ኣውሮጳ ከገብራ'የ ዝደሊ"

ኡናይ ኢመሪ Image copyright Twitter
ናይ ምስሊ መግለጺ ኡናይ ኢመሪ ድሕሪ ናይ ኣርሴናል ኣሰልጣኒ ኮይኑ ምርቑሑ ኣብ ናይ ትዊትር ኣደራሽኡ ዝለጥፎ ስእሊ

ንኣርሰን ቬንግረ ተኪኡ፡ ሓዲሽ ኣሰልጣኒ ኣርሴናል ኮይኑ ዝተሮቕሐ ኡናይ ኢመሪ ፡ ኣብ ናይ ፈለማ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ ንኣርሴናል ካብተን ዝበለጻ ጋንታታት ኣውሮጳ ከምዝገበራ ተዛሪቡ።

ወዲ 46 ዓመት ኡናይ ኢመሪ ኣብ ቀረባ'ዩ ኣሰልጣኒ ኣርሴናል ኮይኑ ተመዚዙ።

ኣብ ዝመጽእ ናይ ውድድር እዋን ኣብ ነብሲ ወከፍ ውድድር ቃልስና ብምሕያል ናብ ዓወት ክንምለስ ኢና ይብል ኡናይ ኢመሪ።

ካብ 1998 ጅሚራ ብዘይምቁራጽ ኣብ ቻምፕዮኒስ ሊግ ክተሳትፈ ዝጸንሐት ኣርሴናል ብ2017 ካብ ምስታፈ ድሕሪ ምብኳራ ኣብ 2018-2019'ውን ኣይክትሳተፍን'ያ።

ኡናይ ኢመሪ " ንኣረሴናል ድሕሪ ናይ ክልተ ዓምታት ብኹራት ናብ ቻምፕዮኒስ ሊግን ካልእ ዓለምለኻዊ ውድድር ምምፃእ ኣገዳሲ'ዩ" ክብል ይዛረብ።

"እቲ ምስዛ ጋንታ ዝገበርክዎ ዝርርብ፡ ኩልና ኣብዛ ጋነታ ሓደ ራኢ ከምዘለና ክርዳእ ክኢለ" ድሕሪ ምባል፡ ሓደሽቲ ተጻወትቲ ከፈርም ድሌት ተሃልይዎ ንዝተሓተቶ ክምልስ እንከሎ"በዞም ዘለውና ተጻወትቲ ዕጉባት ኢና" ክብል ምሊሱ።

ጋንታ ኣረሴናል ኣብዚ ናይዚ ዓመት ውድድር ሻዱሸይቲ ኮይና ክትዛዝም እንከላ ድሕሪ'ቲ ኣብ 1994-1995 መበል 12 ኮይኖም ዝዛዝምዎ ዝኽፈአ ውጽኢት ኮይኑ ተመዝጉቡ ኣሎ።