ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንወተሃተራት ናይጀርያ ከሲሱ

ወተሃደራት ናጀርያ መዓስከር ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ሳምቢሳ ጫካ በርኖ ክፍለ ሃገር ዝተደምሰሰ ከሪኢ እንከሎ Image copyright Reuters

ኣምነስቲ እንተርናሸናል ወተሃደራት ናይጀርያ ካብ እስላማዊ ተቃወምቲ ሓይልታት ቦኮ ሓራም ንዝሃደማ ዓበይትን ናእሽቱን ደቂ ኣንስተዮ ይዕምጹ ከምዘለው ሓቢሩ።

እቶም ወተሃደራት ነተን ደቂኣንስተዮ ካብ ኣሰብኡተን ፈሊዮም ከምዝዕምጽወን፡ ሓንሳብ ድማ መግቢ ከም መደለሊ ገይሮም ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝዕምጽወን እቲ ዓለም ለኸ ተጣባቒ መሰላት ደጊሙ ኣብ ፀብፃቡ ኣስፊሩ።

ሓይሊታት ፀጥታ ናይጀርያ ግን ነዚ ገበን ክፍኣት ዝመልኦ ሓሶት ክብል ነጺግዎ።

ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ናይጀርያ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ካብ 2015 ንደሓር ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ስደተኛታት ብጥምየት ከምዝሞቱ ጸብጸባት የመልክቱ።

ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነቲ ጉዳይ "ቅድም ክብል ኣብ ኢድ ቦኮ ሓራም ኮይነን ብዙሕ ዝተሳቀያ መሊሰን ብወተሃደራት ናይጀርያ ብዘሰካሕክሕ ከዕመጻ ምርኣይ ዘሕዝን'ዩ" ክብል ኮኒንዎ።

እቲ ፀብፀብ ኣስዒቡ ድማ፡ ''ካብ ሰበ-ስልጣን ውሕስነት ኣብ ክንዲ ዝቕበላ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ደቂ ኣንስተዮ፡ ካብ ጥምየት ክሃድማ ክብላ ብሓይሊ ኣደዳ ዓመጽ ኮይነን ይርከባ" ይብል። ።

ወተሃደራት ናይጀርያ ነቲ ከባቢ ብ 2015 ካብ ቦኮ ሓራም ከምዝሓዘዎን፡ ነቲ ህዝቢ ናብ ካልእ መዓስከር ክግዕዙ ከምዝኣዘዝዎምን ነቶም ኣብ ገዝኦም ዝተረፈ ሰባት ድማ ብዘይኣፈላላይ ከምዝረሸኑዎ ጸብጻት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል የመልክት።

ወተሃደራት ናይጀርያ ካብ 2009 ጀሚሩ ነቶም እስላማዊ ዕጡቓት ሓይልታት ቦኮ ሓራም ይወግኡ።

በቲ ጎንፂ ልዕሊ 30,000 ሰባት ክሞቱ እንከለው ኣስታት 18 ሚልዮን ካብ ገዛውቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት