ብሕማም ኢቦላ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ በቴ-ክርስትያን ተወሲዶም

ሕማም ኢቦላ መድመይቲ ከስዕብ ይኽእል'ዩ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሕማም ኢቦላ መድመይቲ ከስዕብ ይኽእል'ዩ

ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሰለስተ ብሕማም ኢቦላ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ቤተሰቦም ንቤተክርስቲያን ክወስድዎም ድሕሪ ምሕታቶም ካብቲ ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ማእከል ሕክምና ወጺኦም ከምዝኸዱ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ክልተ ካብኣቶም ድማ ጸኒሖም ክሞቱ እንከለዉ እቲ ሳልሳዮም ግን ናብቲ ኣብ ከተማ ምባምዳካ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ተመሊሱ።

ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ድማ ነቶም ምስፍሕፋሕ ናይቲ ተላባዒ ሕማም ንምግታእ ዝረባረቡ ዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕና ሓድሽ ብድሆ ኮይኖም ከምዘሎ ልእኽቲ ቢቢሲ ኣብታ ሃገር ኣን ሶይ ገሊጻ።

ኢቦላ ፈውሲ የብሉን

እቲ ሕማም ኣብታ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ምባንዳካ ብቕልጡፍ ክላባዕ ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ጥዕና ኣጠንቂቖም።

ውሸባ እቲ ዝበለጸ መቆጻጸሪ ናይቲ ተላባዒ ሕማም'ዩ።

እቲ ሕማም ኣብ 8 ግንቦት ካብ ዝቕልቀል ኣትሒዙ 58 ሰባት ተለኺፎም ኣለዉ ኢሉ ውድብ ጥዕና ዓለም። 27 ሰባት ሞይቶም፡ ዛጊት እቶም ሰለስተ ብኢቦላ ተለኺፎም ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ'ሎ።

ከመይ ገይሮም'ዮም እቶም ሕሙማት ካብቲ ማእከል ወጺኦም?

ኣዝማድ'ቶም ሕሙማት ናብቲ ብሓካይም ብዘይ ዶብ ዝመሓደር ማእከል ብምኻድ ነቶም ሕሙማት ኣዝማዶም ናብ ቤተክርስቲያን ወሲዶም ክጽልይሎም ከምዝደልዩ ጠሊቦም ክብል መኮንን ጥዕና ውድብ ጥዕና ዓለም ዩጂን ካባምቢ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብሞተር ብሽግለታታት ተጻዒኖም ከምዝተወስዱ'ውን ይሕበር፡ ፖሊስ ድማ ንምርካቦ ዳህሰሳስ ክግበር ኣዚዞም።

ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ሓካይም ብዘይ ዶብ፡ ሓደ ካብቶም ሕሙማት ኣብ ገዝኡ ሞይቱ ተረኺቡ፡ ሬስኡ ብውሑስ መንገዲ ንምቕባር ድማ ናብቲ ማእከል ተወሲዱ። እቲ ካልኣይ ሕሙም ድማ ብዕለት 22 ግንቦት ናብቲ ማእከል ከምዝምለስ ተገይሩ፡ እንተኾነ ግን ንምሸቱ ሞይቱ።

'እምነት ሕሙማት ኣብ ሕክምናዊ ፍወሳ ደኣ'ምበር ግዱድ ዑቕባ ኣብ ሆስፒታል መፍትሒ ኣይኮነን' ኢሉ እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ።

ኣዝማድ ናይቶም ሰለስተ ሕሙማት ድማ ኣብ ትሕቲ ክትትል ሕክምና ኣትዮም ኣለዉ፡ ገሊኦም'ውን ጸረ-ኢቦላ ክትባት ተዋሂብዎም ኣሎ።

እቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ድዩ?

ምስፍሕፋሕ ናይቲ ሕማም ካብ ገጠር ናብታ ኣብ ሩባ ኮንጎ ተጸጊዓ እትርከብ ከተማ ምባንዳካ፡ ንታሕቲ ወሪዱ ናብ ርእሰ-ከተማ ኪንሻሳን ጎረባብቲ ሃገራትን ከይልሕም ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

እቲ ሕማም ናይ ምልሓም ተኽእሎ ኣለዎ ኢሉ ውድብ ጥዕና ዓለም።

'ኣብ ጫፍ ናይ ለበዳ ኢና ዘለና' ኢሉ ሓላፊ ትካል ግብረ-መልሲ ህጹጽ እዋናት ውድብ ጥዕና ዓለም ፒተር ሳላማ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝተገብረ ህጹጽ ኣኼባ ኣብ ዘስመዖ መደረ።

'ነቲ ሕማም ክንቆጻጸሮ ዲና ወይ ካብ ቁጽጽርና ወጺኡ ናብ ከተማታት ክላባዕ፡ እዘን ዝመጻ ውሑዳት ሰሙናት ወሰንቲ'የን' ድማ ኢሉ።

ሰራሕተኛታት ጥዕና ምልባዕ ኢቦላ ንምቁጽጻር ብዕለት 21 ግንቦት ናይ ክታበት ጎስጓስ ጀሚሮም።

ኣብ እዋን'ቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ 2014-16 ልዕሊ 11,300 ሰባት ዝቐዘፈ ለበዳ ኢቦላ፡ ዝተወሰነ ፈተነ ክታበት ተኻይዱ ነይሩ።

እዚ ሕጂ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተራእዮ ዘሎ ኢቦላ ኣብታ ሃገር ንታሽዓይ ጊዜ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት