ጣፍ ሂባ መሰል ጣፍ እትሓትት ኢትዮጵያ

ዓውዲ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዓውዲ

መቦቆል ጣፍ ኢትዮጵያ እናሃለወት፤ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣውሮፓ መሰል ዋንነት ዘመዝገበ ግና ሓደ ኔዘርላንዳዊ ትካል እዩ። እዚ ትካል ካብ ሕሩፅ ጣፍ ንዝስርሑ ኩሎም ዓይነት ፍርያታት እዩ መሰል ዋንነት ኣመዝጊቡ።

በዚ ምኽንያት ድማ ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ገልጋላይ ቤት ፍርዲ ወሲዳ ክሲ ከምእትምስርት ተፈሊጡ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብዚ ውሳነ ዝበፅሐ፤ ምስቲ ትካል ዝኣተዎ ምውጣጥ ንምፍታሕ ዝገበሮም ፃዕርታት ክዕወቱ ብዘይምኽኣሎም እዩ።

ጣፍ ብኸመይ ካብ ኢድ ኢትዮጵያ ክወፅእ ክኢሉ?

ትካል ብዝሐ-ህይወት ኢትዮጵያን ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻን ብሓባር ኮይኖም፤ ብኣቆፃፅራ አውሮፓውያን 2004 ሃልዝ ኤንድ ፐርፎርማንስ ፉድ ኢንተርናሽናል (HPFI) ምስ ዝበሃል ናይ ኔዘርላንድ ኩባንያ ስምምዕ ፈፂሞም።

እቲ ኩባንያ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ጣፍ ተጠቒሙ ኬክ ከምኡ ድማ ኩኪስ ዓይነት መግብታት ብምፍራይ ንዕዳጋ ከቕርብ ካብቲ ዝርከብ ከስቢ ድማ ንኢትዮጵያ ከካፍል እዩ ነይሩ እቲ ስምምዕነት።

ኣብ መሰል ዋንነት ጣፍ ዝተሰርሑ መፅናዕትታት ከምዝሕብርዎ፤ ዓሌታት ጣፍ ከምኡ ድማ ምስ ምፍራይ ጣፍ ዝዛመዱ ባህላዊ ፍልጠታት ዋንነቶም ናይ ኢትዮጵያውያን መፍረይቲ ጣፍ ኮይኑ ከምዝቕፅል እቲ ስምምዕነት የቐምጥ።

ብኻልእ ወገን ካብቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝተወሰዱ ዓሌታት ጣፍ ዝፍጠሩ ሓደሽቲ ዓሌታት ድማ ዋንነቶም ናይ ኢትዮጵያን ናይቲ ኔዘርላንዳዊ ትካልን ከምዝኸውን ኣብቲ ስምምዕነት ሰፊሩ እዩ።

ግን ከኣ፤ እቲ ኩባንየዓ ነቲ ስምምእነት ምስፈፀመ፤ ነዚ ውዕል ብዝፃረር ምልክዑ ክንቀሳቐስ ጀሚሩ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ 2007 ሙሉእ ንሙሉእ ምስቲ ዝምልከቶ ቤትፅሕፈት ኢትዮጵያ ዝነበሮ ርክብ ደው ኣቢሉ።

ቀፂሉ ድማ መጀመርያ ኣብ ኔዘርላንድ፣ ካብኡ ኣብ ጣሊያን፣ እንግሊዝ፣ ኦስትርያን ጀርመንን መሰል ዋንነት ፍርያት ጣፍ ወሲዱ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ምስ ኢትዮጵየዓ ውዕል ዝፈረመ ትካል (HPFI) ምኽሳሩ ኣዊሡ እንትዕፆ ዘመዝገቦ መሰል ዋንነት ፍርያት ጣፍ Vennootschap Onder Firma(VOF) ንዝበሃል ካልእ ትካል ኣሕሊፉ ሒቡ።

በዚ መልክዑ ካብ ኢድ ኢትዮጵያ ዝወፀ መሰል ዋንነት ፍርያት ጣፍ ንምምላስ ንነዊህ ዓመታት ዝተገበረ ልዝብን ሓያል ዲፕሎማሲያዊ ፃዕርን ከይተዓወተ ብምትራፉ ቅድሚ ውሑዳት መዓልትታት ሚኒስትር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣይተ ጌታሁን መኩርያ ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ገሊፆም እዮም።

ስለዝኾነ ድማ ነዚ መሰል ዋንነት ንምምላስ እቲ እንኮ ኣማራፂ ነቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ትካል ፍትሒ ምውሳድን ነቲ ኔዘርላንዳዊ ትካል ምኽሳስን ከምዝኾነን ምንቅስቓስ ድማ ከምዝተጀመረን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ንመን? ኣበይከ እያ ክትከስስ?

ልዩ ታምሩ ኣብ አፍሪካ ኣማኻሪት ዓለምለኸ ዳይነት ግልግል እያ። መንግስቲ እንተድኣ ነዚ ጉዳይ ናብ ዓለምለኸ ገልጋላይ ቤትፍርዲ ክወስዶ እየ ዝብል ኮይኑ፤ ክልተ ነገራት ኣብ ግንዛበ ምእታው ከድሊ እዩ ተብል።

ናይ መጀመርያ ሕቶ፤ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ውዕሊ ዝፈረመ ትካል ሕዚ ካብ ስራሕ ወፃኢ ምስምዃኑ ዝተዛመደ እዩ።

"ብዛዕባ እቲ ክሲ ኣብ ዜና ከምዝተሓበረ እንተድኣኾይኑ፤ መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ናብቲ ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ዓለምለኸ ገልጋላይ ቤትፍርዲ እዩ። ናብዚ ከይዱ ክኸስስ እንተኾይኑ ድማ፤ ክሲ ከቕርብ ዝኽእል ኣብ ልዕሊ እቲ ውእሊ ዝፈረመ ትካል እዩ። እቲ ትካል ንሱ ድማ ብኺሳራ ተዓፅዩ እዩ። ኣብዚ ሓደ ዓብዪ ፀገም ይለዓል" ትብል።

ዝተዓፀወን ዘየለን ትካል ምኽሳስ ኣፀጋሚ ምዃኑ ትገልፅ።

ብኻልኣይ ደረጃ እተልዕሎ ድማ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ኣብ ዓለምለኸ ገልጋላይ ቤትፍርዲ ከቕርቦ እየ እንትብል፤ እቲ ኣካል ንሱ ዝተውሃቦ ስልጣንን ሓላፍነትን ኣብ ግምት ኣእትዩ ድዩ ዝብል እዩ።

ከም ኣበሃህላ ልዩ እንተደኣኾይኑ፤ ዓለምለኸ ገልጋላይ ቤትፍርዲ ዘለዎ ስልጣን ዝበፅሐ ጉድኣት ምርኣይን ምስላሕን እዩ። መሰል ዋንነት ናይ ምምንጣል ስልጣን የብሉን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ክገብሮ ዝግበኦ፤ ነቲ መሰል ዋንነት ምምላስ እንተደኣኾይኑ እቲ ክትዕ ነዚ መሰል ዋንነት መን እዩ ሂብዎ ናብ ዝብል እዩ ክመፅእ።

ኔቲ ኔዘርላንዳዊ ትካል መሰል ዋንነት ዝሃቦ ድማ ሓለዋ አእምሯዊ ንብረታት ኣውሮፓ (EPO) እዩ።

እቲ ዘዋፅእ ኣካይዳ፤ ነዚ ትካል እዚ ብምንታይ ኣገባብ ነቲ ኩባንያ መሰል ዋንነት ሂቡ ኣብ ዝብል ትኹረት ገይርካ በዚ ኣንፈት እዚ ምኻድ ምዃኑ ተረድእ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ቅድሚ ምጅማሩ እዞም ክልተ ጉዳያት ትኹረት ክግበረሎም ይግባእ ትብል።

ቅድሚ ሕዚ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኸ ገልጋላይ ቤትፍርዲ ካብዝነበራ ተሞክሮ ከምኡ ድማ ሕዚ ኣብታ ሃገር ምስዘሎ ልኡል ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ብምንፅፃር፤ ናብቲ ልዑል ወፃኢ ዝሓትት ዓለምለኸ ገልጋላይ ቤትፍርዲ ምኻድ ግቡእ ዘይምዃኑ ተረድእ።

"ዋላኳ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ሕጊ ዘለውዎ ትካል ጥብቅና ተጠቒሙ ዝፈልጥ ይኹን እምበር፤ መብዛሕትኡ ግዜ መንግስቲ ናይ ደገ ሰባት እዩ ዝጥቀም" እትብል ልዩ፤ ሕዚ ግን መንግስቲ ግድን ብዛዕባ መቦቀል ጣፍ ዝፈልጥ፣ ብዛዕባ መሰል ዋንነትን ሓለዋ ኣእምሯዊ ንብረትን ፍልጠት ዘለዎ ኢትዮጵያዊ በዓል ሞያ ኣብዚ ጉዳይ ከሳትፍ ኣለዎ ዝብል ቅዋም ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ክትረትዕ ዶ ትኸውን?

Image copyright Getty Images

መንግስቲ ክስ ክምስርት ዝሓሰበሉ መገዲ እኳ ዝፍለጥ እንተዘይኮነ ኢትዮጵያ ምስዚ ጉዳይ ተዛሚዱ ሰለስተ ነጥብታት ኣለውዋ ይብሉ ዶ/ር ብሩክ ሃይሌ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዩንቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሓጋዚ ፕሮፌሰር እዮም።

ብመሰረት እቲ ውዕሊ፤ ካብቲ ኔዘርላንዳዊ ትካል ንኢትዮጵያ ክኽፈል ይግበኦ ዝነበረ ገንዘብ ዘይምኽፋሉ ሓደ እዩ። እቲ ካልኣይ ነጥቢ ድማ፤ ዋንነት ፍርያት ጣፍ ብዝምልከት ዝተወሰደ መሰል ዋንነት እዩ። ሳልሳይ ድማ እቲ ትካል ኣዳቒሉ ዝፈጠሮ ሓድሽ ዓሌት ጣፍ ንምውናን መሰል ምርካቡ ዝምልከት እዩ።

"ጣፍና እንትንሰድድ ቀዲምና ነቲ ክፍሊት ክንቅበል ንኽእል ነይርና። እዚ ንምንታይ ከምዘይተገብረ ኣይርደኣኒን። ናብቲ ውዕሊ አንትንኣቱ፤ ክንረኽቦ ዝግበኣና ጥቕሚ ቀዲምና መታን ክንረክብ እቲ ኩባንያ ትሕጃ ከቕርብ ነይርዎ" ይብሉ።

ዝግበኣና ክፍሊት ኣይረኸብናን እንተደኣተባሂሉ፤ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ውዕሊ ዝኣተወ ትካል ከሲሩ ዝተዓፀወ ምዃኑ ነቲ ከይዲ ከምዘኽብዶ ይስመዖም።

እቲ ትካል ብኺሳራ ዝተዓፀወሉ መገዲ ከምኡ ድማ ነቲ መሰል ዋንነት ንኻልእ ትካል ዘሕለፈሉ መገዲ ናይ ኔዘርላንድ ሕጊ ዘይተኸተለ እዩ ኣብ ዝብል መደምድታ እንተደኣዘይተበፂሑ፤ ብዙሕ ተስፋ ዘለዎ ኣይኮነን እዮም ዝብሉ።

ዝሓሸ መገዲ እዩ ዝብልዎ እቲ ትካል ዝወሰዶ መሰል ዋንነት ፍርያት ጣፍ (ከም ምድላው ኬክን ኩኪስን ዓይነት) ምምላስ ዝብል እዩ።

ብተወሳኺ ድማ ብናይ ጣልያን፣ እንግሊዝ ኮነ ኔዘርላንድ ሕጊ፤ መሰል ዋንነት ንምሃብ ሓድሽ ፈጠራ ሓድሽ ፍልጠት ክኸውን ስለዝግበኦ፤ ካብዚ ኣገባብ ሕጊ ተበጊስካ ኣብቲ ጉዳይ ኣሐይልካ ምስራሕ ከምዝከኣል ይኣምኑ ዶክተር ብሩክ።

"ምድላው ፍርየዓት ጣፍ፤ ነባር ሃገራዊ ፍልጠት ምዃኑ ብመረዳእታ ብምርግጋፅ፤ እቲ ኩባንያ ዝረኸቦ መሰል ዋንነት ምድላው ፍርያት ጣፍ ንክንፀግ ምግባር ዝከኣል ይመስለኒ" ይብሉ።

እዚ መሰል ዋንነት ክንፀግ እንተኽኢሉ፤ ንኢትዮጵያ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?

ዶክተር ብሩክ ከምዝብልዎ፤ ኢትዮጵያ ነቲ መሰል ዋንነት ዋላ እንተመንጢላ ብቐጥታ እትረኽቦ ናይ ገንዘብ ረብሓ የለን። ምኽንያቱ ድማ ነባር ፍልጠት እዩ አንተደኣተባሂሉ፤ ኢትዮጵያ እውን እንተኾነት ዳግም ሓድሽ ፈጠራ እዩ ኢላ ክተመዝግቦን መሰል ዋንነት ክትወስድን ኣይትኽእልን።

"ካብ ኢትዮጵያ ዝወሰድዎ ዘርኢ ተጠቒሞም ምርምር ብምክያድ ንዝፈጠርዎ ሓድሽ ዓሌት ጣፍ ዝረኸብዎ መሰል ዋንነት ንምምንጣል እውን ዝሳኸዐልና ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ብመሰረት ሕጊ አውሮፓ፤ ብኸምዚ ዓይነት ምርምራት ዝርከቡ ሓደሽቲ ዓሌታት ሓለዋ ዋንነት ክግበረሎም ኣይግባእን ዝብል ሕጊ ስለዘየለ" ይብሉ።

በዚ መዳይ፤ ኣብ ክሊ ብዝሐ-ህይወት ዘሎ ዓለምለኻዊ ሕጊ ድኹም ብምዃኑን ሃገራት ድማ ዓለምለኻዊ ሓላፍነት ስለዘይብለንን ንኢትዮጵያ ተቓላዒት ከምዝገበራ ይገልፁ።

ኣብ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ኣዲስ ኣበባ ዳይረክተር ትካል ዳይነት ዝኾኑ ኣይተ ዮሃንስ ወልደ ገብርኤል 'ውን መሰል ዋንነት ጣፍ ኣብ ምምላስ ኢትዮጵያ ተስፋ የብላን ኢሎም ይድምድሙ።

ዘቐምጥዎ ምኽንያት ግን ዝተፈለየ እዩ።

"ይትረፍዶ ከምዙይ ዓይነት ዝተሓላለኸን ዓብዪ ዓቕምን ዝሓትት ክሲ፤ ተራ ጉዳያት እኳ ብኣግባቡ ክርኢ ዘይክእል ዓቃቢ ሕጊ ኣብዘለሉ እዚ ዘይከውን እዩ" ብምባል ኢትዮጵያ ንኔዘርላንዳዊ ትካል ክኸስስ እየ ምባላ ከም ቀልዲ ከምዝረኣይዎ ይዛረቡ።

ብጣፍ የብቅዕ

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስዊዘርላንድ ዩንቨርሲቲ በርን ኣብ ጣፍ ምርምር እናገበሩ ዝርከቡ ዶክተር ዘሪሁን ታደለ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ነቲ ኔዘርላንዳዊ ትካል ብምቅዋም ካብ ኣመሪካ ጀሚሩ ዝምልከቶም ኣካላት ኩሎም ፊርማ እናኣከቡ ከምዝነበሩን ባዕሎም እውን ከምዝተሳተፉን ይዝክሩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ከምዚ ናብ ዝበለ ፀገም መሰል ዋንነት ዝእቶ ምስ ትካላት ትምህርቲ ብዝግበር ስምምዕ ዘይኮነስ፤ ምስ ውልቀ ትካላትን መንግስታዊ ምስ ዘይኮኑ ናይ ርዳእታ ትካላትን ሰምምዕ እንትግበር እዩ ይብሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ