"ርሁው እዋን ምምጽኡ ስለዘይተርፍ ነታ ዕለት ምጽባይ ይሓይሽ"

ድምጻዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ
ናይ ምስሊ መግለጺ ድምጻዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ

ኤርትራውያን ፈደራላዊ መሰላቶም ምስተጋህሰን ባይቶኦም ምስ ፈረሰን፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ፍትሒ ሓቲቶም፡ ኣብ መጋባእያታት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ሞጕቶም ፍታሕ ምስ ሰኣኑ፡ ነታ ብሕጋዊ መገዲ ዝሰኣኑዋ ናጽነት ብዕጥቂ ከረጋግጹዋ ንበረኻ ወፊሮም - ን30 ዓመታት ከርተት ኢሎም ከቢድ ዋጋ ከፊሎም ናጽነቶም ካብ ዘረጋግጹ እነሆ 27 ዓመት ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ዝዓበየ ኤርትራዊ ኩሉ በብዝኽእሎ ዓቕምን ክእለትን ኣበርኪቱን ተወፍዩ እዩ።

ሑሴን መሓመድ ዓሊ ሓደ ካብቶም ኣብ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብድምጹን ሙዚቁኡን እጃሙ ዘወፈየ ህቡብ ድምጻዊ እዩ።

ወዲ ሰብዓ ክነሱ ገና ወዲ ሓምሳ እዩ ዝመስል። "ኣታ ሓው ሑሴን፡ 70 ኣቲኻ ክነስኻስ፡ ድምጽኻ፡ ኣሳጉማኻ፡ ፍሽኽታኻ፡ ዋዛኻ ከምኡ ኢሉ ምህላውስ ... እንታይ'ዩ ሚስጢሩ?' ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ናይ ደራፋይ ነገርዶ ጠፊኡካ" ኢሉ ብምምላስ ብፍሽኽታ ናብ ዋዛኡ ሰገረ።

"ናይ ዕድሜ ጕዳይ ካብ ኣልዓልካ፡ ብ 1971 ኣቢሉ ይኸውን ዑደት ንኽንገብር ካብ ኣስመራ ንኣዲስ ኣበባ ዝኸድናሉ እዋን ሓደ ነገር ትዝ ይብለኒ፡ ሓደ ካብ'ቶም ልሙዳት ዑደታትና ማለት'ዩ" እናበለ ዕላሉ ይጅምር። "መቸም ዓለም 'ማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማ.ት.ኣ.)' ካልእ'ዩ ነይሩ ሽዑ።

"ብዋዛን ቁምነገረን ... ብዓቢኡ ኸኣ ብሙዚቃ ... ዘርክበና ሰብ ወይ ጕጅለ ኣይነበረን። ማ.ት.ኣ. ስድራ-ቤትናን ናይ ስራሕ-ቦታናን'ዩ ነይሩ። ከምኡ ኸኣ መስኖ ዕላማ ህይወትናዶ ኢለ ክውስኸሉ?" በለ። ቀጺሉ ኸኣ "ከም እትፈልጦ ኣብ ሓደ ስድራቤት ኵሉ'ሎ - ኣባና'ውን ከምኡ'ዩ ነይሩ ... ፍቕሪ፡ ሰሓቕ፡ ጭርቃን፡ ሓፍ-ኮፍ፡ ሻቕሎት፡ ምብልሓት፡ ኣብ ስራሕና ጽኑዕ ዲሲፕሊን'ውን ነይሩ'ዩ ... ምስኡ ኸኣ መትከል ምሓዝን መልእኽቲ ምፍናውን ... እንታይከ ዘይነበረ!

"ዝዀነ ዀይኑ ናብ ዛንታይ ክምለስ ... ብ 1971 ኣብ ክልተ ኣውቶቡሳት ሰታየ ተጻዒንና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ በጻሕና ጽቡቕ ምቅብባል'ዩ ተገይሩልና። ኣብኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብሓቂ ሓያላትን ተባዓትን ሃገራውያን'ዮም ነይሮም፣ ምናዳ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ።

"ትበርህ ተስፋሁነይ፡ ነፍሳ ይምሓር፡ ኮኾብ ማ.ት.ኣ'ያ ነይራ - ኵሉ'ዩ ዝፈትዋ ነይሩ" እናበለ ሑሴን ዕላሉ ቀጸለ።

"ሓደ ምሸት ምርኢትና ምስ ወዳእና ሓደ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ቃለ-መሕተት ከግብራ ጽግዕ ኢሉ ከዛርባ ጀመረ። እቲ እዋን'ቲ 'እቲ ገዛና ዓቢ ህድሞ - ትዃን ቍንጪ መሊኡዎ'' እናበለት ትደርፈሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ነይሩ። ሽዑ ዝነበረ ኤርትራዊ ሃገራውነት ሓያል እዩ ነይሩ።

"እንተ ትበርህ ኣምሓርኛ ብዙሕ ኣይርድኣን'ዩ ነይሩ - ከም ሓቂ እውን ንቕጽ ዝበለት፡ ሓያል ባህርይ ዘሎዋ፡ ኣዝያ ብሃገራውነት ዝተቓነየት ሰብ ስለ ዝነበረት ንቋንቋ ኣምሓርኛ ክትዛረበሉ እውን ኣይትደልን'ያ ነይራ። ስለዚ እቲ ዝርርብ ብኣስተርጓማይ ከም ዝከናወን ተገብረ።

"እቲ ጋዜጠኛ ንመጀመሪ'ቲ ቃለ-መሕትት ክዀኖ ኢሉ ብኣምሓርኛ 'ወ/ሪት ትበርህ ዕድሜኺ ክንደይ'ዩ?' ኢሉ ምስ ሓተታ፡ ትበርህ ሆየ ኸኣ 18 ኢላ መለሰትሉ" በለ ሑሴን።

"እቲ ጋዜጠኛ ገሪሙዎ 'ዋእ! ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ማ.ት.ኣ. ኣብ ዝመጻእክሉ እዋን ዕድሜኺ 18 ኢልኪ ነርኪ - ሕጂ ኸኣ ከምኡ! እዚኣ ድኣ ከመይ'ያ?' ብምባል ተወከሳ።

"እቲ ተርጓማይ እቲ ጋዜጠኛ ዝበሎ ምስ ተርጐመላ፡ ትበርህ ቆለጭ ይብላ እሞ፡ ደስ ኣይበሎ ኢላ፡ 'በል ስማዕ! ቅድም ቀዳድም ብዛዕባ ዕድመይ እንታይ ገደሰካ፡ ድሓር ከኣ ንሕና ኤርትራውያን መልሓስና ከም ዘይንቕይር ጽቡቕ ጌርካ ፍለጦ' እናበለት ፈጠጥ ኢላ ጠመተቶ" ክብል ሑሴን ነቲ ሕሉፍ ብሰሓቕ ይዝክሮ'ሞ ኣስዒቡ፡ "እወ፡ ሕጂ ኸኣ ተጠንቀቕ ዕድመ ኣይትሕተተኒ ከም ትበርህ ... ከየሸንብበልካ!" እናበለ ክርትም ኢሉ ሰሓቐ።

ኣብ መወዳእትኡ ግን ሑሴን ብ 1948 ኣብ ጊንዳዕ ከም እተወልደ ተናዘዘ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ባንዴራ ኤርትራ

ማ.ት.ኣ. ብዓይኒ ሑሴን መሓመድ ዓሊ

ሑሴን ኣብ ዕላል ዝኽሪ ናጽነት ብዛዕባ ልደትን ዕቤትን ማ.ት.ኣ. ንኸዕልል ምስተሓተ፡ " ከም በዓል ተወልደ ረዳን ንጉሰ መንስዓይ እንከለውስ ታሪኽ ማትኣ ኣነ ተልሜደንን ተማሃራይን ከዘንትዎ ኣየመልክዓለይን እዩ" ክብል ነብሱ ኣትሓተ እቲ ምሒር ምቕሉል ሑሴን። ኣይፋልካን እቲ ትዝክሮን ትፈልጦን ደኣ ሓብር ምስተባህለ ግን፡ "ብዛዕባ ማ.ት.ኣ. ክዛረብ? ብምንታይ'የ'ሞ ክጅምሮ"ክብል ብትዝታ ንድሕሪት ተመልሰ።

ሑሴን፡ ዋላ'ኳ በቲ ተዋዛዪ ባህርያቱ ንስምዒታቱ ክሓብኦ እንተ ፈተነ፡ ኣብ ዉሽጡ ከቢድ ዝኽሪ ከምእተሰመዖ ንመስተብሃሊ ሰብ ኣይጠፍኦን።

ኣብዚ ዕድመ'ዚን ኣብዚ ታሪኻዊ ናይ ናጽነት እዋንን፡ ሑሴን ምስ ህዝቡ ኣብ ሃገሩን ኣብ ዝተወልደላ ከተማ ጊንዳዕ ምወዓለ። ኣይኰነሉን ግን - ግናኸ ኩሉ ነገር ኣብ ልቡ ግዲ ዓቝሩዎ ኮይኑ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ኣይተዛረበን።

ማ.ት.ኣ. ብሰለስተ መድርኻት'ያ ሓሊፋ። እቲ ቀዳማይ መድርኽ በዅሪ ዘበን ኢልካ ክጽዋዕ ይከኣል።

በዓል ተወልደ ረዳን ትኳቦ ወልደመርያምን ንማ.ት.ኣ. ኣብ ዘበገስሉ እዋን ... በዓል መምህር ኣስረስ ተሰማን ጃብር መሓመድ ከምኡ'ውን ካልኦት ዝነበርሉ እዋን ማለት'ዩ።

እቲ ካልኣይ መድርኽ ብማ.ት.ኣ. ዝፈጠሮ ማዕበል ተደፊኦም ዝተጸንበሩሉ እዋን'ዩ ነይሩ። ኣብ'ቲ ሳልሳይ መድርኽ ማ.ት.ኣ. ድማ እቶም ኣብ ኣጋ ምፍንጣሓ ዝተዋስኡ'ዮም።

"ኣነ ድሒረ፡ ማለት ብ 1969'የ ኣብ ማ.ት.ኣ. ተጸንቢረ" ይብል ሑሴን። "ኣነ ከም ዝመስለኒ ማ.ት.ኣ. ብፈለማ ሱሳታት፡ ብጊዜ 'ማሕበር ሸውዓተ' ኢያ ተመስሪታ" እናበለ ዛንትኡ ቐጸለ " 'ማሕበር ሸውዓተ' ክብል ከሎኹ ትፈልጦ ትኸውን - ኣብ ኤርትራ ብምስጢር በብሸውዓተ ሰባት ተመዲቦም ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ ዝነበሩ ሃገራውያን'ዮም ነይሮም" ይብል። "እቶም ምስጢራውያን ዓንኬላት ምስ ተቓልዑ ግን ክንደይ ሰብ'ዩ ብኹፉእ ሃሊቑ!" ብምባል ጥራይ ነቲ ዛዕባ ክሰግሮ መረጸ።

ብዓል ኢድሪስ ዓዋተ ብረታዊ ቃልሲ ይጀማምርሉ ዝነበረ እዋን'ዩ ነይሩ። "ገሊኡን ኣብ በረኻ፡ ገሊኡን ብምስጥር ኣብ ከተማታት ክቃለሱ፡ ገሊኡ ድማ ብስነ-ጥበብ ይቃለስ ነይሩ" ኢሉ ወሰኸሉ።

"ኣነ ኣብ ማ.ት.ኣ. ዝተጸንበርኩሉ እዋን ምርኢትና ኵሉ ጊዜ ብ 'ሰላም-ሰላም፡ ክርስትያን ምስ ኣስላም' እትብል መዝሙር ይጅመር ነበረ" በለ ሑሴን።

"ኵላህና ኣባላት ኣብ መድርኽ ኴንና ብሓበን እንዝምራ ዝነበርና መዝሙር'ያ ነይራ - ፍረ-ቃላ ኸኣ መትከልና ነበረ - እወ! ፍቕርን ሓድነትን ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ንኽዓስል ዝጐስጐስናላ መዝሙር!" እናበለ ብናፍቖት ቀስ ኢሉ ዘመራ።

"በታ ደርፊ ኸኣ መደብና ንዛዝሞ ነበርና ... እዚ ክብለካ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተዓዘብቲ ብጣቕዒትን ፋጻን ይቕበሉና፡ ሞራል ኣስኒቖም ድማ ይሰናበቱና ነበሩ" እናበለ ኣብ ተዘክሮታት-ቀደም ጠሓለ።

"ማ.ት.ኣ. ክምስረት ከሎ ንናይ ምዕራባውያንን ካልኦትን ናይ ሙዚቃ ህርመት ተለቂሑ ብቋንቋ ሃገር ንኽንጻወት ሓያልን ደፋእን ተበግሶ ኢዩ ወሲዱ። ግጥምታት ናይ በዓል ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ ብትግርኛን ብትግረን ንተዓዛቢ ካብ ወናብሩ ሓፍ ከም ዚብሉ ይገብሮም ነበረ። እቶም ኣባላት ማ.ት.ኣ. ምስ ህዝቢ ዝነበሮም ዝምድና ክዝክሮም ከም ሕልሚ ኰይኑ ይስምዓኒ" በለ ሑሴን።

"ኣብ ማ.ት.ኣ. መቦቆል ዘይኰነስ እምነት'ዩ ዝመርሓና ነይሩ - ምስ ሓያል ኤርትራዊ ስምዒት" ብምባል ብሓበን ዕላሉ ቀጸለ።

"እቲ ዝዓበየ መለለዪ መንነት ማ.ት.ኣ. ኣስመራውነት ነበረ - ፊኖ ደቂ'ስመራ ኢለ ዶ ክገልጸልካ?" ኢሉ ወሰኸሉ።

ርግጽ'ዩ፡ እቶም ሰብ-ሽዑ መብዝሕትኦም ደቂ ኣባሻውል፡ ሹቕ፡ ገዛ-ብርሃኑ፡ ዕዳጋ-ዓርቢ፡ ሓድሽ ዓዲ፡ ቤት መኻእ ... ወዘተ. እዮም ነይሮም - ቀንዲ ማእከላት ኣስመራ።

እቲ ዝሓለፈ ጊዜ ተመሊሱ ከም ዘይመጽእ ድሕሪ ምስትንታን "... ናይ ሎም ምርኢታት ድኣ ከም ናይ ቀደም ኣይኰኑን ... ጐደሎ'ዮም፡ መልእኽቲ የብሎምን ... ብጓይላን ዳንኬራን ንሰብ ኣስኪርካ፡ ዘፍ ኣቢልካ፡ ብኵነታቱ ከይሓስብን ብመሰላቱ ንከይሓትትን ኣዕቢድካ ተፋንዎ" እናበለ ኵነታት ቀደምን ሎምን ኣነጻጸረ።

"ብጊዜና፡ እሞ ምስ ኵሉ ማሕለኻታት ሃይለስላሴ፡ ምስ'ቲ ኵሉ መግረፍትን ማእሰርትን መስጐጕትን፡ ንህዝቢ እንተ ብደርፍታትና፡ ተዋስኦና ዀነ ብዅሉ እንተናና መልእኽቲ ነብጽሕ ነርና፡ ዋላ እቲ በዓል መም ኣለማዮን መም ሰሎሙንን ዘቕርብዎ ዝነበሩ ኮመዲ መልእኽቲ ነይሩዎ" በለ ሑሴን።

ኣብ ማ.ት.ኣ. እኒ መነ-መን ነበሩ?

ናይ ምስሊ መግለጺ ህቡብ ድምጻዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ

"ማ.ት.ኣ. ክልተ-ሰለስተ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት'ዮም ነይሮማ ክብል እኽእል" ድሕሪ ምባል፡ "እቶም ቀንዲ ዓንዲ-ሕቖ ማ.ት.ኣ.፡ በዓል ተወልደ ረዳ፡ ትኳቦ ወልደማርያም፡ ኣስረስ ተሰማ ነበሩ።

በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ መም ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ፡ መም ኣለማዮ ካሕሳይ፡ መም ሰሎሙን ገብረእዚኣብሄር፡... እንታይ ፈሊጠ መብዝሕትኦም መምህራን'ዮም ነይሮም - መም ኣርኣያ በላይ ... እዚኦም ፍሉጣት ኣዝማሪኒ'ዮም ነይሮም፡ ኣበርክቶኦም ድማ ላዕሊ!

"ብኻልእ ሸነኹ ድማ እቶም ብደርፎም ከም ከዋኽብቲ ዝረኣዩ ዝነበሩ ነይሮም ... ትበርህ ተስፋሁነይ፡ ዑስማን ዓብደልረሒም ... ብዓቢኡ ኸኣ እቲ ኵሉ ጊዜ ቅጭን ኣተወብርሃን ሰጊድ። ጕጅለታት ጸሓፍቲ፡ ተዋሳእቲ፡ ገጠምቲ፡ ሳዕሳዕቲ፡ ኣካየድቲ ስራሕ፡ ብዓቢኡ ኸኣ ሰዓብቲ ነይሮምና" እናበለ ብሓበን ተረኸ።

"ኣብ ድሕሪ ባይታ ማ.ት.ኣ. ከም በዓል ኡምበርቶ ባርቡይ ዝተባህለ ዓይነ ስዉር መምህር ሙዚቃ ነይሮም'ዮም። ኣብቲ እዋንቲ ንባርቡይ ዘይፈልጥ ሙዚቀኛ ኣይነበረን። ሙዚቃ ኣብ ምውዳድ ዝነበሮ ፍሉይ ክእለት ተጠቒሙ ንኵላህና ይሕግዝን ይከናኸነናን ነበረ" እናበለ ሑሴን ብልዑል ኣድናቖት ይዝክሮ።

ሓያል ሳንሱር

መምርሒታትን ጽፉፍ ምሕደራን ኣብ'ቲ ማሕበር ዓቢ ግደ'ዩ ተጻዊቱ። ቆራጽነት ኣባላታ'ውን።

"ኣብ ዓመት ሓደ ድምጻዊ ክልተ ደርፊ ከዳሉ ጥራሕ'ዩ ዝፍቀደሉ ነይሩ፡ ስለዚ ኣነ ንኣብነት ዝያዳ ከበርክት እናኸኣልኩ በቲ ሕጊ ማ.ት.ኣ. እቕየድ ነይረ። እቶም ኣካየድቲ ማሕበር ንስራሕና ብጽፈትን ዲሲፕሊንን'ዮም ዝሕዝዎ ነይሮም" በለ ሑሴን።

ስነ-ጥበባዊ ብልጫታት ማ.ት.ኣ. ንኸይዳኸም ብትሕዝቶ ሓያላት ደርፍታት ይምረጹ ነይሮም፡ ኣካየድቲ ማሕበር ነቶም እነቕርቦም ደርፍታት ትሕዝቶታት ይመምይዎም ነይሮም'ዮም።

እሱ ከይኣክል ድማ ደርፍታትና እቲ ቀዳማይ ናይ ዉሽጢ ሳንሱር ምስ ሰገሩ መሊሶም ብመንግስቲ ይምመዩ ነይሮም'ዮም። መንግስቲ ከየፍቀደ ተወስ ክንብል ኣይንኽእልን ነርና። ክንደይ ፍረ-ጻዕርና ንኸንቱ ዘይተጓሕፉ! አረ ማእሰርቲ'ውን የኸትለልና ነይሩ!" እናበለ ኣዘንተወ።

ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ድማ እቲ ዓቃባዊ ባህርያት ኤርትራ ንሙዚቃ ብኣሉታ ክጸልዎ ይፍትን ነይሩ'ዩ።

ምናዳ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ መድረኽ ወጺአን ክለሃያ ከም ዝርጋን ገይሮም ዝርእይዎ ሰባት ነይሮም'ዮም። ምስኡ ኸኣ ኣንድነታዊ መርገጺታት ዝነበሮም ሰባት'ውን ነይሮም'ዮም። ማ.ት.ኣ. ነዞም ኵሎም ማሕለኻታት ክትሰግር ብርቱዕ ጻዕሪ'ያ ኣካይዳ።

"ኵሉ ይስገር ነይሩ! ድሓር ግን እቲ ጸቕጢ መንግስቲ ኣዝዩ ስለ ዝሓየለ፡ ዉሽጣዊ ምፍሕፋሕ'ውን ስለ ዘርከበ፡ ብ 1973 ምብትታን ኣርኪቡና" እናበለ ሑሴን ብኣስተንትኖ ኣዘንተወ።

ቃልስን ስደትን

ደርጊ ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ እዋን ምዝርራግን ምብትታትንን ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዝያዳ ክስጕም ጀመረ። እቲ ተርእዮ'ቲ ኣብ ማ.ት.ኣ. ኸኣ ተራእየ። ብዙሓት ካብ ኣባላት ማ.ት.ኣ.፡ እንተላይ ሑሴን፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጸንበሩ።

ኣባላት ማ.ት.ኣ. ብስነ-ጥበብ ተቐሲቦም'ዮም ጕዕዝኦም ዝጀመሩ። ድሓር ከኣ ብጕዳይ ሃገር ተደፊኦም ኣብ ቃልሲ ኣተዉ። ኣብ ኵሉ ዜጋ ዝወረደ መዓት ኸኣ ብኣካል ተኻፈልዎ። ዓቢ ታሪኽ ከም ዘበርከቱ ግን ሰብ ኣይስሕቶን።

ኣብ መወዳእታ ንሑሴን ሓደ ሕቶ ቀረበሉ - ንምንታይ ኣብ እዋን ዕብየቱ ናብ'ታ ዝተቃለሰላን ኣዝዩ ዝፈትዋን ሃገሩ ዘይተመለሰ። ስለምንታይ ነዛ ቃለ መሕትት ዘካየደላ ዕለተ ናጽነት ስለምንታይ ኣብ ኣስመራ ዘየብዓላ ምስተሓተ፡

"ደሓን፡ ልቢ ዘትረረ ዝርትዓሉ፡ ዝጨከነ ዝርህርሃሉ፡ ሰብ ከም ጎይታ ዘይኮነ ከም ሰብ ነብሱ ዝፈቕደሉ፡ ንዅላህና ዝሓቍፍ፡ ርሁው እዋን ምምጽኡ ስለዘይተርፍ ነታ ዕለት ምጽባይ ይሓይሽ" ብምባል፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳንትን ብምምናይ ተፋነወና።