ብሉጻት ስእልታት ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን 17-24 ግንቦት 2018
ሕሩያት ስእልታት እዚ ስሙን ካብ ምላእ ኣፍሪቃን ኣብ ካልእ ዝነብሩ ኣፍሪቃውያንን

ምንጪ ስእሊ, AFP
ምርኢት ባህላዊ ሳዕስዒት ታናውራ ኣብ ካይሮ እንትቐርብ
ምንጪ ስእሊ, AFP
ባህላዊ ሳዕስዒት ታናዉራ ኣብ መላእ ማእኸላይ ምብራቕ ተፈታዊ ዓይነት ሳዕስዒት'ዩ
ምንጪ ስእሊ, AFP
መንበር ንግስነት ዳሆመይ ናይ በኒን፡ ኣብዚ ሕጂ ኣብ ቤተመዘክር ናይ ፈረንሳ። በኒን ነቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝተወሰዳ መንበር ከምለሰላ ትሓትት'ያ ዘላ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከተማ ምባንዳካ ሽቓጣይ ስጋ በረኻ ናብ ዕዳጋ እናኣቅረበ። እዛ ከተማ ብኢቦላ ተጠቂዓ ኣላ፡ ሰባት ስጋ እንስሳ ዘገዳም ምስ ዝበልዑ ነቲ ሕማም ብዝያዳ ከየስፋሕፍሕ ይስጋእ።
ምንጪ ስእሊ, AFP
ደጋፊ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ባንዴራ ሃገሩ ሒዙ ኣብ ዋንጫ ዓለም ራሻ 2018 ዝሳተፉ ተጻወትቲ ክርቁሑ እናተጸበየ
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጋናዊ ጆሴፍ ኣፈራና ንመርዓ ሜጋን ማርከልን ልኡል ሃሪን ናብ ዊንደሶር ምስ ከደ ዝተሳኣሎ
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ፡ ሞዴል ቬሎ ተኸዲና ኣብ ዊንድሶር ጎልፍ ሆቴል ምርኢት እናርኣየት
ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ኬፕታውን ደቡብ ኣፍሪቓ ንመርዓ ሜጋን መርከልን ልኡል ሃሪን ኣብ ተለቪዥን እትዕዘብ ህጻን።
ምንጪ ስእሊ, AFP
መጽሓፍ ኣይቮርያዊ ኢፒፋን ዞሮ ቢ፡ ዛንታ ናይ ዲሞክረስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘንብብ ሰብኣይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብሰንኪ ኩናት ልዕሊ 60,000 ህዝቢ ሃሊቖም'ዮም።
ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዋና ከተማ ሶማልያ፡ ነባሪ ከተማ ሞቓድሾ ዝኾነ መንእሰይ ካብ ብርቱዕ ዕልቕልቕ ንብረቱ እናኣግዓዘ
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንዘዕለቕለቐ ጎደና መቓድሾ ብዓረብያ ዝሰግር ሰብኣይ
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ካይሮ ብሰንኪ ብርቱዕ ሃሩር ነብሱ ከዝሕል ናብ ማይ ዘሊሉ ዝኣቱ ወዲ
ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሌጎስ ናይጀርያ፡ ኣብ መላእ ሃገር ብመጥቓዕቲ ንዝሞቱ ጸሎቶም ዘዕርጉ ናይጀርያውያን
ምንጪ ስእሊ, AFP
ታንዛንያዊት ምርያም ኦደምባ ኣብ ፈስቲቫል ፊልም ካንሰ ደቡባዊ ፈረንሳ
ስእልታት ካብ AFP, Getty Images, Reuters ከምኡ ድማ EPA