ትራምፕ፡ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ክራኸብ ይኽእል እየ ኢሉ

ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኪም ጆንግ ኡን - ኣብ ቴሌቪዠን ሰሜን ኮርያ ጎኒ ንጎኒ Image copyright AFP/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ሲንጋፑር ክራኸቡን ክዝትዩን ትልሚ ተታሒዙ ነይሩ

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ወርሒ ሰነ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ንምርኻብ ዝነበሮ መደብ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡኳ እንተነበረ፤ ዳግም በቲ ዝተትሓዘ መደብ ክራኸቡ ከምዝኽእሉ ገሊፁ።

"እንታይ ከምዝፍጠር ሓቢርና እንሪኦ እዩ ክኸውን። ዋላ እቲ ንሰነ 12 ዝተትሓዘ መደብ ክሳለጥ ይኽእል እዩ። ሕዚ ነዛርቦም ኢና ዘለና። ኣዝዮም ደልዮምዎ እዮም ዘለዉ" ብምባል ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ኪም ጆንግ ኡን ንምርኻብ ተሊምዎ ዝነበረ መደብ ሃንደበት ምስራዙ ምስተገለፀ፤ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝኾነ እዋን ብዝጥዕም መንገዲ ንምዝርራብ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ ነይራ።

ምክትል ሚኒሲትር ጉዳያት ወፃኢ ሰሜን ኮርያ ኪም ከ-ግዋን ነቲ ናይ ትራምፕ ውሳነ "ብጣዕሚ ዘሕዝን" ኢሎሙዎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ እቲ ንወርሒ ሰነ ተታሒዙ ዝንበረ ትልሚ ዘተ ዝሰረዘሉ ምኽንያት ካብ ሰሜን ኮርያ ዝተፈነወ ዝበሎ "ግልፂ ፅልኣት" እዩ።

እዚ ንነዊሕ እዋን ተሓልዩ ዝነበረ ዘተ ተዝዕወት ነይሩ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓደ አመሪካዊ ፕረዚደንት ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኮፍ ኢሉ ንክዛረብ ናይ መጀመርታ መድረኽ ምኾነ ነይሩ።

ብርግፅ እዚ ኣብ ሲንጋፑር ንዕለት ሰነ 12 ንክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ አኼባ ዝርዝር ዓላማመታቱ ዝተነፀረ ኣይነበረን።

ይኹን ምበር እቲ ዘተ ብኣውርኡ ወሽመጥ ኮርያ ካብ ኑክሌር ናፃ ምግባር ከምዝኾነ ብሰፊሑ ግምታት ይወሃቡ እዮም።

ተወሳኺ ዛንታ