ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖሳ ፍርቂ ደመወዙ ንግብረ-ሰናይ ኣወፍዩ

ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖሳ ኣብ ለንደን Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖሳ ካብቶም ሃብታማት እታ ሃገር ሓደ እዩ።

ፕረሲደንት ሲሪል ራማፖሳ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፍሪቂ ናይ ደሞዙ ንሓደ ግብረ-ሰናይ ከምዝክህብ ኣፍሊጡ። እቲ ውሳነ ንኻልኦት ሃብታማት ገለ ክፋል ናይ ደሞዞም ብምውፋይ ንህንጸት ሃገር እጃሞም ከበርክቱ ንምትብባዕ`ዩ ኢሉ።

እቲ ናይ 130,000 ዶላር ወፈያኡ ድማ በቲ ኔልሰን ማንደላ ፋውንዴሽን ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ግብረ-ሰናይ ክመሓደር`ዩ።

እቲ ኣስታት 450 ሚልዮን ዶላር ዝውንን ራማፖሳ ሓደ ካብ ሃብታማት ደቡብ ኣፍሪቃውያን`ዩ። ገለ ሰባት ድማ ብዙሕ ጊዜ፡ ንነብሱ ካብ ድኻታት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ከምዘግለለ ይወቕስዎ። ኣብ 2012 ድማ ንሓንቲ ጎባይ በረኻ (ባፋሎ) ምስ ብተያ/ምራኻ ብጨረታ ንምግዛእ 2 ሚሊዮን ዶላር ክኸፍል ድልውነቱ ብምግላጹ ተወቒሱ።

እቲ ወዲ 65 ዓመት ራማፖሳ፡ ኣብ 2012 ምክትል ፕረሲደንት ቅድሚ ምዃኑ ነጋዳይ`ዩ ነይሩ። ኣብ ጽላታት ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ሚድያ፣ መስተን ቅልጡፍ መግብን (ፋስት ፉድ) ድማ ብርክታት ይውንን። ንፍሉይ ፍቓድ (ፍራንቻይዝ) ናይቲ ኣሜሪካዊ ትካል መግቢ ማክዶናልድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ይውንን።

ገለ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ራማፖሳ ንዘለዎ ሃብቲ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ `ኣዝዩ ንእሽቶ`ዩ` ክብሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ከም ኣስሓኮ ዘለዎ ዳግመ-ምትእትታው ምሃብ ኣገልግሎት ንህዝቢ ኣብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ`ዩ ይብሉ።

ራማፖሳ እቲ ወፈያ ንማንደላ ፋውዴሽን ክህቦ ዝወሰነ ንኽብሪ`ቲ ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተመርጸ ቀዳማይ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ፕረሲደንት ምዃኑ ብረቡዕ ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ ገሊጹ።

`እዚ ነዛ ሃገር ንምህናጽ ንኻልኦት ክእለት ዘለዎም ነንእሽቶ ካብ ደሞዞም ብምውፋይ ንብዙሓት ንኣሽቱ ትልምታት (ፕሮጀክታት) ክድግፉ ዘተባብዕ ብሓደ ዜጋ ዝተደረኸ ውልቃዊ ተበግሶ`ዩ` ኢሉ ራማፖሳ።

እቲ ርሾ (ማዕከን ገንዘብ) ንመበል 100 ዓመት ልደት ማንዴላ ንምዝካር ኣብ 18 ሓምለ ክጅመር`ዩ።

ካልኦት መራሕቲ`ኸ እንታይ ገይሮም?

ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዓመታዊ ደሞዙ ዝኾነ 400,000 ዶላር ንዝተፈላለየ መደባት የወፊ።

ፕረሲደንት ላይበሪያ ጆርጅ ዊያ 25 ሚእታዊ ናይ ኣስታት 100,000 ዶላር ዓመታዊ ደሞዙ ንናይ ህንጸት ርሾ የወፊ።

ፕረሲደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ናይ ናይጀሪያ ኣብ 2015 ኣብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ደሞዙ ብ50 ሚእታዊ ክጎድል ወሲኑ።

ፕረሲደንት ቭላድሚር ፑቲን ናይ ሩስያ ድማ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ቁጠባዊ ሽግራት ኣብ 2015 ደሞዙ 10 ሚእታዊ ክጎድል ወሲኑ።