ኬንያውያን ስድራ ኣፍረይቲ ኣጣል ንሕብረት ኣውሮጳ ከሲሶም

ኣፍረይቲ ኣጣል ኬንያውያን ስድራ Image copyright TWITTER/FRIENDS OF THE EARTH
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣፍረይቲ ኣጣል ኬንያውያን ስድራ

ኣፍረይቲ ኣጣል ስድራ ኬንያውያን ንሕብረት ኣውሮጳ ካብ ከባቢ ኣየር ለውጢ ክከላኸለሎም ብዘይምኸኣሉ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዶሞ።

እቶም ስድራ (ኪሊማዊ) ለውጢ ከባቢ ኣየር ንመነባብሮኦምን መዕቆቢኦምን ሓደጋ ስለዘስዓበሎም'ዮም ንኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኸሱ ዘለው።

እዞም ጉዮ ዝበሃሉ ስድራቤት ካብቶም ብዙሓት ከሰስቲ ኮይኖም ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ዝዳወብ ቦታ ይነብሩ።

ዋዒ ቀጻልን ሓደገኛን ኮይኑ ብምምጽኡ፡ ንጥዕናን ትምህርቲ 5ተ ደቆም ከምዝጸለዎም ሓቢሮም።

''ብቀጻሊ ሕሉፍ ዝኾነ ዋዒ ኣብ ዞባና ይገጥመና'ሎ። እዚ ንህወትና ብብዙሕ ደረጃ ጸልዩዎ'' ክብሉ ን ኤ.ፈ.ፕ. ኣብ ዝሃብዎ ሓቤሬታ ወሲኮም ኣረዲኦም።

"ንጥሪትን ንዓናን ዝኸውን ማይ ተሳኢኑ፡ ልዕሊ ኩሉ ኸኣ ጥዕና ደቅና ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ይርከብ።"

ኣብቲ ከባቢ ሙቐት ብቀጻሊ ልዕሊ 40 ዲግሪ ሴንት ግረድ ኣቢሉ ብምብጸሕ፡ ደቆም ንቤት ትምህርቲ ክመላሉ ከምዝሽገሮም እቶም ስድራ ይሕብሩ።

እቲ ክሲ 10 ስድራ ቤት ከጠኣልል እንከሎ፡ ከምኡድማ ካብ ፈረንሳ ሓረስቶት ዕምባባ ይርከብዎም።

እቲ ጥርዓኖም ብኣውርጳዊ ሕብረት ኣብ ሀሉው ክሊማዊ ለውጢ ናይ ዘቤታዊ 'ግሪን ሃውስ' ኣብ 2030 ብ 40 ሚእታዊት ናይ ምጉዳል ዝተወሰደ ስጉመቲ ፡ ንመሰረታውያን መሰላቶም ከምዘይከላኸለሎም'ዩ ዘመልከት።

ተወሳኺ ዛንታ