ሎሪስ ካሪየስ፡ ሓላዊ ልዳት ሊቨርፑል ምፍርራሕ ሞት ይበጽሖ ኣሎ

ሎሪስ ካሪየስ Image copyright Getty Images

ፖሊስ መርሲሳይድ ድሕሪ ጸወታ ፍጻመ ቻምፒየንስ ሊግ ኣብ ልዕሊ ሓላዊ ልዳት ሊቨርፑል ሊዮስ ካሪየስ ዝበጽሑ ዘለዉ ምፍርራሓት ይከታተል ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ፍጻመ ወዲ 24 ዓመት ጀርመናዊ ሓላዊ ልዳት ክልተ ግዜ ብዝፈጸሞ ስሕተት ንሱን ስድርኡን ብርክት ዝበሉ ምፍርራሓት ሞት ይበጽሖም ኣሎ።

ካሪየስ ድሕሪ እቲ ጸወታ ብንብዓት ዝተሰነየ ይቕረታ ንደገፍቲ ጋንትኡ ሓቲቱ'ዩ።

"ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝበጽሕዎ ዘለዉ መልእኽትታት ምፍርራሕ ሞት ትኹረት ሂብና ንምርምሮም ኣለና" ኢሉ ፖሊስ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዛዕባ ዝተነዝሑ ጸያፍ ርኢይቶታትን ምፍርራሕን ኣብቲ ምርመራ ከምዝካተቱ ብምግላጽ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ድረ ገጻት ክጥንቀቁ ኣለዎም ኢሉ ፖሊስ።

ብኻልእ ወገን ግብጻዊ ኣጥቃዒ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ፡ ካብ ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ሓዉዩ ኣብ ግጥም ዋንጫ ዓለም ክሳተፍ ከምዝኽእል ተገሊጹ።

ሳላሕ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝነበረ ጸወታ ፍጻመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣብ እንግድዑ ብዝበጽሖ መጉዳእቲ ካብ መጻወቲ ሜዳ እናነብዐ ወጺኡ'ዩ።

"ናታትኹም ፍቕርን ደገፍን ሓይሊ ኾይኑኒ'ዩ። ኣብ ዋንጫ ዓለም ክሳተፍ ከምዝኽእል ድማ ተስፋ እገብር" ክብል ኣብ ትዊተር ገጹ ጽሒፉ።

ግብጺ ኣብቲ ሩሲያ እተአንግዶ ጽዋዕ ዓለም ምስ ኡራጓይ ፈላማይ ግጥማ ተካይድ ኮይና፡ ኣብዚ ዓመት 44 ሸቶታት ዘቑጸረ ሳላሕ ኣብቲ ጸወታ ክሳተፍ ብርክት ዝበሉ ግብጻዉያን ተስፋ ኣሕዲሮም ኣለዉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት