ሚካኤል ቴመር፡ ኣድማ መራሕቲ መኪና ንምህዳእ ዋጋ ነዳዲ ኣጉዲሉ

ፖሊስ ኣብ ከተማ ሳኦ በርናንዶ ነቲ ሽዱሽት መዓልቱ ዘቁጸረ ኣድማ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን፡ ንዝተዓገተ ጽርግያ እናኸፈተ 26 ግንቦት 2018። Image copyright AFP

ፕረዚደንት ብራዚል ሚካኤል ቴመር ንቁጠባ ብራዚል ዘልመሰ ንከባቢ ሰሙን ዝዘለቐ ኣድማ መራሕቲ ዓብይቲ መካይን ንምህዳእ ዋጋ ነዳዲ ኣጉዲለዎ።

ፕረዚደንት ቴመር ዋጋ ነዳዲ ኣብ ሊትሮ ናይ 0.13 ዶላር ምጉዳል ዋጋ ከምዝግበር ሓቢሩ።

እዚ ዋጋ ንዝመጽእ 60 መዓልታት ዝቕጽል ኮይኑ ብድሕሪኡ ወርሓዊ ምትዕርራይ ከምዝህሉ'ዉን ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣድማ ዘካየዱ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ንኣዉራ ጎደናታት እታ ሃገር ስለዝዓገትዎ ነቲ ኣድማ ንምዝራግ ወተሃደራቱ ሰዲዱ'ዩ።

ፕረዚደንት ቴመር " ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ተጸሚምናን ዝክኣለናን ጌርና ኢና" ክብል ኣብ ተልቪዥን ቀሪቡ ተዛሪቡ።

እቶም መራሕቲ ምካይን ነቲ ምጉዳል ዋጋ ነዳዲ ክቕበልዎ ድዮም ግን ንጹር ኣይኮነን ዘሎ።

ኣብ ብራዚል ካብ 2016 ጀሚሩ ዋጋ ነዳዲ ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ'ዩ።

እዚ ኣድማ ንኹሉ ቁጠባ ብራዚል ዝጸለወ ኾይኑ፡ ሪጋ ኣብ መዐደሊ ነዳዲ፡ ንብረት ዘይበሉ ከብሕታት እንዳ ዱኳን፡ ኣብ መዓርፎ ነፍርቲ ከይተረፈ ሕጸረት ነዳዲ ከጋጥም ዝገበረ'ዩ።

ብሰንበት ሓይልታት ጸጥታ ብራዚል ነዳዲ ዝጽዓና መካይን ኣስንዮም ኣብ 8 ዞባታት ብራዚል ኣብ መዓርፎ ነፈርትን መዐደሊ ነዳድን ከምዘራግፋ ጌሮም ኣለዉ።

ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ተመር ነቶም ኣዉራ ጎደናታት እታ ሃገር ዝዓገቱ መራሕቲ መካይን ንምብታን ሰራዊት እኳ እንተሰደደ፡ ዝበዝሑ ኣደምቲ ክሳብ ምጉዳል ዋግ ነዳዲ ዝግበር ምሕባሮም ይዝከር።