ፖሊስ ኬንያ ብምጥፍፋእ 90 ሚሊዮን ዶላር ንዝጠርጠሮም ኣሲሩ

ባንዴራ ኬንያ

ዋና ዳይረክተር ሀገራዊ አገልግሎት መናእሰይ ኬንያ ሪቻርድ ኑዱቤይ ኣብቲ ትካል ኣጋጢሙ ዝተብሃለ ምጥፍፋእ 90 ሚሊዮን ዶላር ምፅራይ ክግበረሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ውዒሉ።

ትማሊ ምሽት ፖሊስ ንሓላፊ ጉዳያት ሒሳብ እቲ ትካልን ካልኦት 16 ተጠርጠርትን ኣሲሩ።

እቶም ተጠርጠርቲ ቅድሚ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ንግዚኡ ኣብ ናይሮቢ ቤትፅሕፈት ምፅራይ ገበን ይርከቡ።

እዞም ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ ምስ 10 ዝተፈላለዩ ትካላት ብዝተዛመደ፤ ብሚልዮናት ዶላራት ዝቑፀር ምትላል ጨረታ ከምዝተፈፀመ ዘርኢ መረዳእታ ናብ ኢድ ዋና ሓላፊ ቤትፍርዲ እታ ሃገር ኑርዲን ሃጂ ምስበፅሐ እዩ።

እቲ ገንዘብ ተጠፋፊኡ ዝተብሃለ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እንትኾን፤ ብዙሓት ምንጭታት ከምዝገለፅዎ እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ዝተዋደደን ብዙሓት ሰብ መዚ ዘሳተፈን እዩ።

እዚ ምጥፍፋእ ልዕሊ ዓሰርተ ቢሊዮን ሽልንግ ኬንያ፤ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ቀረባ እዋን ንዝጀመሮ ወፍሪ ፀረ ብልሽውና ፈተና ኮይንዎ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት