ብሩንዲ ካብ ኤምባሲ ፈረንሳ ንዝተለገሱላ የእዱግ 'ጸርፊ'ዩ' ኢላቶ

የእዱግ ተወለድቲ ብሩንዲ ኣይኮኑን

ኣምባደር ፈረንሳ ኣብ ብሩንዲ፡ ጊቴጋ እትብሃል ዓዲ ንዝነብሩ ብሩንዳውያን ዓሰርተ የእዱግ ድሕሪ ምውፋዩ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ፒኤሬ ዘለፋ'ዩ ክብል ንኤፍፒ ተዛሪቡ።

እዚ ብሓደ ውልቃዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ዝተወፈየን ንኣብ ሓርሻዊ ንጥፈታት ንዝተዋፈሩ ህጻናትን ደቐንስትዮን ንምሕጋዝ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ብመንገዲ ሚኒስተሪ ሕርሻ እታ ሃገር'ዩ ካብ ታንዛነያ ኣትዩ።

ሚኒሰትሪ ሕርሻ ዲዮ ጋይድ ሩሬማ እቶም ናብ ገባር ዝትዓደሉ የእዱግ ካብ ዘለውዎ ተኣኪቦም ክምለሱ ናብ ኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ ትእዛዙ ኣማሓላሊፉ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ቤት ምኽሪ በሩንዲ ጋቢይ ቡጋጋ፡ 'ፈረንሳ ናብ ደርጃ ኣእዱግ'ያ ኣውሪዳትና፡ ግደ ሓቂ ኣድጊ ናይ ምንታይ ምልክት ድዩ?' ክብል ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ።

ኣምባሳድር ፈረንሳ ሎረንት ደላሆውሴ ብወገኑ ' ኩሉ እዚ ዝገበርናዮ መስመሩ ዝሓለወ መስርሕ'ዩ ኔሩ፡ እዚ ሓዲሽ ነገር'ውን ኣይኮንን፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ንተመሳሳሊ መዓላ ካብ መንግስቲ ቤልጅም ኣብ ምብራቕ ኣውራጃ ሩዩጊ ተዋሂቡ ኔሩ'ዩ ዝኾነ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ግን ኣየስዓበን" ኢሉ።

ሓደ ሽሙ ክጠቅስ ዘይደለየ ናይ ኣውሮጳ ዲፕሎማት ብወገኑ፡ ፈርንሳ ነቲ ብብሩንዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተገበረ ረፈረንደም ብምንቓፋ፡ ብሩንዲ ሕኒኣ'ያ ትፈዲ ዘላ ይብል።

ብሩንዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ምምሕያሽ ንምግባር ህዝባዊ ረፈረንደም ድሕሪ ምክያዳ፡ እዚ ሕገ መንግሰቲ ንፕረዝደንት ፒኤሬ ንኩሩንዚዛ ካሳብ 2034 ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝፈቕድ'ዩ ብምባል ከምዝነቀፈቶ ይዝከር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት