ወናኒ ክለብ ቸልሲ ሮማን ኣብራሂሞቪች እስራኤላዊ ክኽውን'ዩ

ሮማን ኣብራሂሞቪች ኣብ እስራኤል እቲ ዝሃብተመ ሰብ ክኽውን'ዩ Image copyright AFP

ወናኒ ክለብ ቸልሲ ራሻዊ-ዩሂዳዊ ቢልዮነር፡ ሮማን ኣብራሂሞቪች እስራኤላዊ ንኽኸውን 'ብቑዕነት' ድሕሪ ምርካቡ ናብ ተልኣቪቪ ከይዱ።

ሓለፍቲ ኢመግሬሽን እስራኤል፡ ሮማን ኣብራሂሞቪች ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤምባሲ እስራኤል፡ ሞስኮ ቃለመሕትት ከምዝተገበረሉ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ሮማን ኣብራሂሞቪች ኣብ ምሕዳስ ቪዛ ዓዲ እንግሊዝ ምድንጓያት ኣጋጢምዎ ምንባሩ ይዝከር።

ወሃቢ ቃል ሮማን ኣብራሂሞቪች ዜግነት እስራኤል ምውሃቡን ዘይምውሃቡን ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።

ወዲ 51 ዓመት ሮማን ኣብራሂሞቪች ካብ እስራኤል እቲ ዝሃብተመ ሰብ ክኽውን'ዩ።

ሮማን ኣብራሂሞቪች ናብ ዓዲ እንግለዝ ዘእቱ ናይ ኣውፋሪ ቪዝኡ ቅደሚ ሳምንታት እኳ እንተሓረረ፡ መንግሰቲ ንምኽንያት ምድንጓይ ቪዛ ሮማን ኣብራሂሞቪች ኣመልኪቱ ርኢቶ ክህብ ኣይደለይን። ምስ ምስማም ሩስያዊ ሰላዪ ሰርጌ ኣብ ሞንጎ ሞስኮን ሎንደንን ዝተፈጠረ ወጥሪ ጸልይዎ ክኸውን ክምዝኽእል ግን ጥርጣረታት ኣሎ።

ማዕከናት ዜናታት እስራኤል፡ ኣብራሂሞቪች ወረቐት መንነት እስራኤል ከምዝተውሃቦ ይገልጻ ኣለዋ።

ኣብራሂሞቪች ብዙሕ እዋን ናብ እስራኤል ብምምልላስ ኣብ 2015 ኣብ ተልኣቪቪ ሆቴል ድሕሪ ምግዝኡ እስራኤል መንበሪ ፍቓድ ከምዝሃበቶ ኣብ'ቲ ጸብጻብ ሰፊሩ'ሎ።

እስራኤላዊ ፓስፖርት ዝሓዙ ሰባት ንዓዲ እንግሊዝ ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ይፍቀደሎም'ዩ።

በመሰረት ጸብጻብ ፎርብሰ መጋዚን ወናኒ ክለብ ቸልሲ ቢልዮነር ሮማን ኣብራሂሞቪች 11.5 ቢለዮን ዝግመት ርእሰማል ከምዘለዎ ይግለጽ።

Image copyright Reuters

ሮማን ኣብራሂሞቪች መን'ዩ?

  • ሓደ ካብ ሃብታማት ራሻ ኮይኑ ኣብ 2013 ንክለብ ቸልሲ ዓዲግዋ።
  • ኣብ 1990ታት ድሕሪ ምብትታን ሕብረት ሶቭየት ኣብ ወፍሪ ኩዕታ ነዳዲ ቅድሚ ምእታዉ ሸያጢ ባንቡላታት ኔሩ።
  • ኣማሓዳሪ ኣወራጃ ቹኮተካ፡ ራሻ ኮይኑ ሰሪሑ።
  • ቀረባ ዓርኪ ፕረዚደንት ራሻ ቭላዳሚር ፑቲን'ዩ።