ኣሜሪካዊ ፖሊስ ንሓንቲ ሰበይቲ ብጉስጢ ክሃርም እንከሎ ብቪድዮ ተቐዲሑ

ኣሜሪካዊ ፖሊስ ንሓንቲ ሰበይቲ ብጉስጢ ክሃርም እንከሎ ብቪድዮ ተቐዲሑ Image copyright @HewittLexy/Twitter

ኣብ ግዝኣት ኒው ጀርሲ ናይ ኣሜሪካ ሓደ ኣባል ፖሊስ ንሓንቲ ጓል ኣንስትተይቲ ክኣስር ኣብ ዝፍትነሉ ዝነበረ እዋን ብቦክስ ክሃርማ እንከሎ ዘርእይ ምስሊ ቪድዮ ኣብ ህዝቢ ድሕሪ ምዝርግሑ ፖሊስ ናይታ ግዝኣት ኣብቲ ጉዳይ መርመራ ጀሚሮም ኣለዉ።

እቲ ብቐዳም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ምስሊ ነታ ኤሚሊ ዋይንማን ዝተባህለት ጓል 20 ዓመት ሰበይቲ ሰለስተ ኣባላት መደበር ፖሊስ ዋይልድዉድ ክኣስርዋ ክፍትኑ እንከለዉ የርኢ።

ኤሚሊ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሒዛ ብምርካባን ንፈተነ ማእሰርቲ ፖሊስ ብምቅዋማን ተኸሲሳ`ላ።

ክልተ ካብቶም ኣባላት ፖሊስ ድማ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራዊ ምርመራ ኣትዮም ከምዘለዉ ሰበ-ስልጣን ኣፍሊጦም።

እቲ ምስሊ ቪድዮ፡ ኤሚሊ መሕንበሲ ክዳንን ሓጺር ስረን ለቢሳ እንከላ በቶም ኣባላት ፖሊስ ተሓንኲላ ናብ ባይታ ክትወድቕ እንከላ የርኢ። ከምኡ`ውን ሓደ ኣባል ፖሊስ ኣብ ልዕሊኣ ኮይኑ ጸቒጥዋ እንከሎ ንሳ ድማ ነቲ ካልእ ኣባል ፖሊስ ክትረግሖ እንከላ፡ እቲ ሳልሳይ ኣባል ፖሊስ ድማ ክልተ እግራ ኣብ ዓንካር ዓንካሪታ ጸቒጡ ሒዝዋ እንከሎ የርኢ። ኣብዚ ህሞት`ዚ ሓደ ካብቶም ኣባላት ፖሊስ ኣብ ርእሳ ብቦክስ ክሃርማ እንከሎ፡ ጸኒሖም ድማ ኢዳን ርእሳን ኣጣቢቖም ቁልቁል እፋ ናብ ባይታ ገይሮም ጸቒጦም ሒዞማ የርኢ።

ናይ ዓይኒ መሰኻክር ነታ ጓል ፊላደልፊያ ዝኾነት ኤሚሊ ተቓውሞኣ ንማእሰርቲ ደው ከተብሎ ክምዕድዋ እንከለዉ ኣብቲ ቪድዮ ይስምዑ።

`ናብ ባይታ ምስ ወደቐት ኩሉ ሰብ ክውጭጭ ስለዝጀመረ`ዩ ኣቓልቦይ ተሳሒቡ፡ ቀልጢፈ ድማ ካሜራይ ኣውጺኤ ነቲ ኩነታት ክቐድሖ ጀሚረ` ኢላ ነቲ ቪድዮ ዝቐድሓቶ ጓል 19 ዓመት ኣለክሲስ ሀዊት ንኤቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ።

ኤሚሊ ብዘይካ`ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ክሲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባል ፖሊስ ናይ ኣካል መጉዳእቲ ብምውራድን `ጡፍ ብምባልን` ተኸሲሳ`ላ።

መደበር ፖሊስ ዋይልድዉድ ድማ ኣብ ልዕሊ`ቶም ኣባላቱ ውሽጣዊ መርመራ ከምዝጀመረ ሓቢሩ`ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት