ሴቭ ዘ-ችልድረን፡ 1.2 ቢሊዮን ህጻናት ኣብ ሓደጋ ይርከቡ

ህጻናት ህንዲ ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም Image copyright Getty Images

ልዕሊ ፍርቂ ህጻናት ዓለም ኣብ ሓደጋ ድኽነት፣ ጎንጽን ኣድልዎ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮን ህጻናት ከምዝርከቡ ጸብጻብ ሴቭ ዘ-ችልድረን የመላኽት።

ናይቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ጸብጻብ ከምዝብሎ ልዕሊ 1.2 ቢሊየን ህጻናት ዓለም እዞም ስግኣታት እንትስከሙ፡ ካልኦት 153 ሚሊዮን ድማ ኩሎም ስግኣታት ዓለም ጸይሮም ይርከቡ።

ብብርኪ ዓለም ዘሎ ኩነታት ካብ'ቲ ዝሓለፈ ዓመት ሎሚ ምምሕያሽ'ኳ እንተርኣየ እኹል ከምዘይኾነ ግና የቐምጥ።

እዚ ትካል ኣብ ዘዉጸኦ ጸብጻብ፡ ሓደ ቢሊየን ህጻናት ድኽነት ኣብ ዘለወን ሃገራት እንትነብሩ፡ ኣስታት 249 ሚሊዯን ድማ ብጎንጺ ኣብ ዝሕመሳ ሃገራት ሰፊሮም ኣለዉ። ካልኦት 575 ሚሊዮን ህጻናት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣድልዎ ኣብ ዘለወን ሃገራት ይርከባ ይብል።

"ብምኽንያት መንነቶምን ዝነብሩሉ ከባቢን፡ መጻኢ ዕጨኦምን ህጻንነቶምን ኣብ ዝገርፍ ሓደጋ ዉሽጢ ይርከቡ" ይብል እቲ ሓበሬታ።

Image copyright AFP/Getty

ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ኣብ 95 ሃገራት ኩነታት ኣተሓሕዛ ህጻናት ምምሕያሽ'ኳ እንተርኣየ ኣብ 40 ሃገራት ግና ኸፊኡ'ዩ።

እዚ ኣብ ዓመት ዘጋጥም መጠን ሞት ህጻናት፣ ስርዓተ ኣመጋግባ፣ ሕጽረት ትምህርትን ኣብ ዘይዕድመ መርዓን ዝኣመሰሉ መዐቀኒታት መሰረት ገይሩ እዩ ተመዚኑ።

ትሕቲ ዕድመ ጥንስን መርዓን ምዉሳኹ፣ ኣብ ሞንጎ ሃብታምን ድካን ሃገራት ዘሎ ኣፈላላይ ምግፋሕ፣ ምብዝባዝ ጉልበት ህጻናትን ንትምህርቲ ዝወሃብ ቆላሕታ ምዉሓዱን ሕዚ'ዉን ትኹረት ዘድልዮም ጸገማት ከምዝኾኑ የመላኽት።